ካርቱም፣ ብሰንኪ ኮረና ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ንክልተ ሰሙን ኣናዊሓ

Radio Erena: 03 June 2020

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብኮረና ቫይረስ፣ ብዝያዳ ካብ ዝተሃስያ ሃገራት ዝኾነት ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ንተወሳኺ ክልተ ሰሙን ተናዊሑ።

ብዘይካ’ዚ፣ ካብ 18 ሚያዝያ ኣትሒዙ ደው ኢሉ ዘሎ ካብን ናብን ዞባታት ዝካየድ መገሻታት ንተወሳኺ ክልተ ሰሙን ከምዘለዎ ክቕጽል’ዩ።

ኣብ ሱዳን፣ ልዕሊ 5100 መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ ክምዝገብ እንከሎ፣ ምስቲ ቫይረስ ብዝተተሓሓዘ 298 ሰባት ድማ ከምዝሞቱ መንገዲ ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክት።

ብመሰረት መግለጺ መንግስታት፣ ሱዳን እታ ዝበዝሐ መልከፍትን ሞትን ዘጋጠማ ሃገር ክትከውን እንከሎ፣ ዝነበራ 39 መልከፍቲ ከምዘሕወየትን ዝኾነ ሞት ድማ ዘየጋጠማን ሃገር ኤርትራ’ያ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0