ካምፓላ፣ ብዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 6 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 16 November 2021

ኣብ ኡጋንዳ፣ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለያዊ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 30 ድማ ከምዝቖሰሉን ንኣፈኛ ፖሊስ እታ ሃገር፣ ፍረድ ኤናንጋ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

ኣብታ ሃገር፣ ኣብ 23 ከምኡ ድማ 25 ጥቅምቲ፣ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ዝቐተለን ሓያሎ ዘቑሰለን፣ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ይዝከር።

እዚ መጥቃዕታት ምስ ተፈጸመ እታ ሃገር ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ’ያ ጸኒሓ።

ናይቲ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝፈጸሞ መንግስቲ ኡጋንዳ ይወቅስ።

ምስ ዳዒሽ ብፍላይ ድማ ምስ ዕጡቓት ጉጅለ ሶማል ርክብ ክህልዎ ከምዝክእል ዝግለጽ፣ ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት፣ ኣብ 1995 ኣብ ምዕራባዊ ኡጋንዳ ከምዝተመስረተ’ዩ ዝንገረሉ።

እቲ ኪዳን፣ ጥሩፍ እስላማዊ ሓሳባት ንምስፍሕፋሕ ከምዝንቐሳቐስ ዝወቅስ መንግስቲ ኡጋንዳ፣ “ሽበራዊ” ክብል ኣብ መዝገብ ገበነኛታት ኣስፊርዎ ይርከብ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0