ፖሊስ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ንዝተኣኻኸቡ፣ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን በቲኖም

Radio Erena: 16 November 2021

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣብ እትርከብ ከተማ ዳንኪኽ ንዝተኣኻኸቡ፣ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን በቲኖም።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝተዋፈሩዮም ንዝበልዎም 13 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንዝተኣኻኸብሉ ከባቢታት ዘዕንዩ ዘለዉ፣ በዚ መንገዲ’ዚ፣ ጃላቡ እናተጠቕሙ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ንምእታው ዝፍትኑ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት መዓልታዊ ናብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓሪግሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምውጻእ፣ ኣብ ጉዳይ ምግታእ ስደተኛታትን ኣብ ዶባት ዝግበር ሓለዋን ምስ ፈረንሳ ተወሳኺ ስምምዕ ክትገብር ከምእትደሊ እትገልጽ ብሪጣንያ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ብጀለቡ ናብ ብሪጣንያ ዝወሓዙ ስደተኛታት ልዕሊ 18 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ 11 ሕዳር ጥራይ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ በዚ መንገዲ’ዚ ሰጊሮም።

ብሪጣንያ፣ ዘይቅቡል ዝበለቶ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ መንግስቲ ፈረንሳ ዶባቱ ኣጽኒዑ ክሕሉ ብዘይምኽኣሉ ዝስዕብ ዘሎ’ዩ ክትብል ወቒሳ።

ፈረንሳ ብወገና፣ ብሪጣንያ ዶባታ ክትሕሉ ናይ ገዛእ ርእሳ ዕማም ደኣ’ምበር ናይ ፈረንሳ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፣ እታ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝወጸት ሃገር፣ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንፖለቲካዊ ዕላማ ተጋንኖ ኣላ ክትብል ትምልስ።

እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ሓድሕደን ኣብ ዝካሰሳሉ ዘለዋ እዋን ድማ’ዮም፣ ፖሊስ ፈረንሳ ብሰሉስ 16 ሕዳር፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ዳንኪኽ ንዝተኣኻኸቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን በቲኖም።

ንተመሳሳሊ ዕላማ፣ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጋጠሞም ናይ ባቡር ሓደጋ፣ ሓደ ክመውት እንከሎ ሰለስተ ድማ ከምዝቖሰሉ ይዝከር።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0