ካሜሩን፣ ወዲ ፕረዚደንት፡ 41 ዓመታት ንዝመርሐ ኣቡኡ ብምትካእ ናብ ስልጣን ከይመጽእ ተቓወምቲ ኣጠንቂቖም

Radio Erena: 31 January 2023

ወዲ 89 ዓመት ኮይኑ ንዘሎ ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ ብምትካእ፣ ወዱ ናብ ስልጣን ከይመጽእ፣ ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ኣጠንቂቖም።

ወዲ 51 ዓመት ፍራንክ ቢያ፣ ነቲ ንካሜሮን ን41 ዓመታት ዝመርሓ ኣቡኡ፣ ብምትካእ መራሒ ክኸውን’ዩ ዝብል ጽንጽንታ ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን’ዩ ተቓወምቲ መጠንቐቕታ ዘቕርቡ ዘለው።

ወዲ 89 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፖል ቢያ፣ ካብ 1982 ኣትሒዙ ንካሜሩን ክመርሕ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ እርጋን ዝተተሓዘ ናይ ጥዕና ጸገማት ብተደጋጋሚ የጋጥሞ ስለዘሎ፣ ስልጣኑ ናብ ወዱ ከሰጋገር ከምዝኽእል፣ መርበባት ዜና እታ ሃገር ይጠቕሳ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ስልጣኖም ንምዕቃብ፣- ደቆም፣ ኣሕዋቶም፣ ናይ ቀረባ ኣዝማዶም፣ ደቂ ዓዶም፣ ደቂ ብሄሮምን ኣውራጅኦምን ከም ዓጀብቶምን ሰበ ስልጣን ወሰንቲ ጽፍሕታትን ክምድብዎም ልሙድ ተርእዮ ናይዛ ኣህጉር’ዩ።

ንርዋንዳ ካብ 1994 ኣትሒዙ ን29 ዓመታት ዝምርሐ ፕረዚደንት ካጋመ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ንወዱ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ናብ ዝተዋፈረት ፍልይቲ ኣሃዱ ከምዝመደቦ ዝዝከር ኮይኑ፣ ከም መተካእትኡ ይኹስኩሶ ምህላዉ፣ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዘቕርብዎ ርእይቶታት ነቒፎም።

ንኡጋንዳ ን37 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ሙሰቬኒ’ውን፣ ስልጣኑ ነቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሸይምዎ ዘሎ ቦኽሪ ወዱ፣ ከሰጋግረሉ ከምዝኽእል ብሰፊሑ ይግለጽ።

ንጋቦን ካብ 1967 ኣትሒዙ፣ ን42 ዓመታት ዝመርሐ ዑመር ቦንጎ ኣብ 2009 ምስ ሞተ፣ ስልጣኑ ናብ ወዱ፣ ዓሊ ቦንጎ ተሰጋጊሩ ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0