ሰለስተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይዱ

Radio Erena: 31 January 2023

ንዑደት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ቻይናን ሩስያን ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ስዒቡ፣ ሰለስተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ናብዛ ኣህጉር ዑደት የካይድ ኣለዉ።

ኣሰር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኣኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ብምስዓብ፣ ዑደታ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝፈለመት ጸሓፊት ክፍሊ ግምጃ ኣመሪካ፣ ዣነት የለን ናብ ሰኔጋልን ዛምብያን ‘ያ ቀጺላ።

ሚኒስተር ላቭሮቭ፣ ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣንጎላን ኤስዋቲኒን፣ ዑደቱ ናብ ኤርትራ ክቕጽል እንከሎ፣ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ኢትዮጵያ ናብ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምብጽሑ ኣይርሳዕን።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ኣህገራት፣ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ትመርሖ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ብወገኑ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ናብ ጋና፣ ሞዛምክን ሶማልን ኬንያን ናይ 10 መዓልታት ዑደት ኣካይዱ ኣሎ።

ሚኒስተር ላቭሮቭ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ዝርከባ ሃገራት ዓረብ ክበጽሕ ምዃኑ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ እዋን፣ ጸሓፊ ግግግጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዑደቱ ብ29 ጥሪ ብግብጺ ፈሊሙ።

ፕረዚደንት ባይደንን ምክትሉ ካማላ ሃሪስን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ከካይዱ መደብ ከምዘሎ ይግለጽ።

ምምሕዳር ባይደን፣ ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ 2022፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክካየድ ኣብ ዝወደቦ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ልዕሊ 40 መራሕቲ ከምዝተረኽቡ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፣ ኣብቲ ኣብ ሓምለ 2023 ከካይዶ ወጢንዎ ዘሎ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎም መራሕቲ ክሳተፉ ዕድመ የቕርብ ኣሎ።

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዘለዉ ጽዑቕ ዑደታት፣ ኣብዛ ኣህጉር ኣብ ሓድሽ ናይ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ምሽማው ተጸሚደን ከምዘለዋ ዘርኢ ምዃኑ ተንተንቶ የረድኡ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0