ኩነታት ዳርፉር ናይ መወዳእታ ሰለማዊ ፍታሕ ከምዝረኸበ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣዊጁ

Radio Erena: 08 September 2016

Darfur

ኩነታት ዳርፉር ናይ መወዳእታ ሰለማዊ መዕለቢ ከምዝተረኽቦ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብሮቡዕ 7 መስከረም፣ መራሕቲ ቀጠርን ቻድን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዳርፉር ከተማ ኤልፋሽር ኣብ ዘስምዖ መደረ’ዩ።

ካብ 2003 ኣትሒዙ ኣተኩሮ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ስሒቡ ዝጸንሐ ግጭት ዳርፉር፣ ኣብ ሓምለ 2011 ብመንጎኝነት ቀጠር ናብ ስምምዕ ሰላም ከምዝበጽሐ ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ዳርፉር ኣዕራብ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ብምውፋር ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቀባት እቲ ከባቢ ዓሌት ናይ ምጽናት ገበናት ፈጺሙ ክብል ከምዝኸሰሶ ኣይርሳዕን።

ጉዳይ ዳርፉር፣ ብመንጎኝነት ቀጠር ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ክካይደሉ ድሕሪ ዝጸንሐ መስርሕ ሰላምን ዕርቕን ከኣ፣ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒን ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢን ኣብ ዝተረኽብሉ መስርሕ ሰላም ዳርፉር ብዓወት ከምዝተዛዘመ ብወግዒ ተኣዊጁ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ዳርፉር ገና ዘይተፈትሐ ጉዳያት ከምዘሎ ዝገልጹ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ ውዒሉ ሓዲሩ ግጭት ክጉሃሃር ኣይተርፍን’ዩ ክብሉ የረድኡ።

ነቲ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ 2005 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳንን ከም ኣብነት ዘቕረቡ እቶም ተንተንቲ፣ እቲ ስምምዕ ብዓወት ከምዝተዛዘመ እኳ እንተተነግረሉ፣ ድሕሪኡ ግና ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ጉዳያት እናተላዕለ ዳግም ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0