ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኢኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣብ ጀርመን ዑደት የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 08 September 2016

Osman Saleh

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝምራሕ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ዋሕዚ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ስደት ብዝምልከት ንምዝርራብ ኣብ ጀርመን ዑደት የካይድ ኣሎ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ናይዚ ሰሙን’ዚ ናይ ጀርመን ዑደቱ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ሚኒስተር ልምዓት ጀርመን ጀርድ ሙለርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዘካይዶ ርክባት ምስ ኣባላት ፓርላማ ብምርኻብ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራን ጠንቕታት ስደት ኤርራውያን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ’ውን ክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብሚኒስተር ልምዓት ጀርድ ሙለር ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ን25 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ጀረምን ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ካብ ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ውዒሉ ሓዲሩ ናብዛ ሃገር ምምጽኦም ኣይተርፍን’ዩ ዝብል ሻቕሎት ከምዘለዋ ይንገር።

ነዚ ዋህዚ’ዚ ንምግታእ መንግስቲ ጀርመን ምስ ሱዳን ናይ 10ታት ሚልዮናት ኤውሮ ስምምዕ ክኽትም እንከሎ ምስ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ ስምምዓት ንምኽታም’ዩ ይሰርሕ ኣሎ።

ጀርመን ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ንምግትኡ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ናብ 18 ኣዋርሕ ምውራዱ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ከምኡ ድማ ናይ ስራሕ ዕድላት ንምፍጣርን ቁጠባ ንምብርባርን ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዛት ምብርካት ኣብ ዝብሉ ነጥብታት’ያ ተተኩር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ንዝወሃቦ ሓገዝ ንምርካብ፣ ንዝተፈላለዩ ወከልቲ ሃገራት ኤውሮጳ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ምውራድን ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽን ዝብል ዝተፈላለየ መብጽዓታት ይኣቱ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ግብሪ ግና ኩነታት ኤርትራ መሊሱ ክብእስ ደኣ’ምበር ክመሓየሽ ኣይርአን ዘሎ።

ከም ውጽኢቱ ከኣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ብዝተዓጻጸፈ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ጸብጻባት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0