ኩባንያ ዕደና ኦርታክ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዳህሳስ ማዕድን፣ ብሉጽ ዓይነት ወርቅን ነሓስን ከምዝረኸበ ኣረጋጊጹ

ኩባንያ ዕደና ኦርታክ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዳህሳስ ማዕድን፣ ብሉጽ ዓይነት ወርቅን ነሓስን ከምዝረኸበ ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 22 October, 2014

Ortac

ኣብ ኤርትራ ዳህሳስን ኩዕታን ዝተፈላለየ ማዕድና ካብ ዘካይዱ ዘለዉ ሓደ ዝኾነ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ኦርታክ፣ ኣብ ከባቢ ያቖብ ደዋር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና፣ ብሉጽ ዓይነት ወርቂን ነሓስን ከምዝረኸበ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኩባንያ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት፣ ኣብ ያቖብ ደዋር ዘካይዶ ናይ ዘሎ ዕደና ናብ ዕዳጋ ናይ ምስግጋር ተስፍኡ ዝልዓለ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ነቲ ኣቐዲሙ ብናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ኣንድያሞ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ንጥፈታት ዕደና ዝተጸንበሮ ኦርታክ፣ ብሉጽ ዓይነት ወርቅን ነሓስን ምርካቡ፣ ንዕዳጋ ብርክታቱ ከዕብዮ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

 

ያቖብ ዳዋር ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ዕደና ዝካየደሉ ቦታ ኮይኑ፣ ካብቲ ብኔቭሰን ዝካየድ ዘሎ ብሉጽ ዓይነት ወርቂ ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ዝበቕዐ ዕደና ቢሻ 50 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምዕራብ ርሑቁ’ዩ ዝርከብ።

ኣብ ኤርትራ ኣስታት 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣብ ዳህሳስን ዕደናን ዝተፈላለየ ማዕድናት ይነጥፋ ምህላወን ዝፍለጥ’ዩ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0