Update: ኣብ ወደባዊት ካሌ ናይ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ መንጎ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ግጭት ተኻይዱ

Update: ኣብ ወደባዊት ካሌ ናይ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ መንጎ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ግጭት ተኻይዱ

Radio Erena: 23 October, 2014

Calais

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ካብ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ሓያሎ ሃገራት፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያያን ግጭት ተኻይዱ።

ኣብቲ በባትር፣ ጠራሙዝን ኣእማንን ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 15 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ ሓደ ሰብ’ውን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

 

ሓሙሽተ ካብቶም ዝቖሰሉ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ሕክምና ከምዝተግብረሎም ዝሓበረ ፖሊስ ፈረንሳ፣ እቶም ካልኦት ህጹጽ ቀዳማይ ረዲኤት ተጌርሎም ብኡ ንብኡ ከምዝተፋነዉ ኣመልኪቱ።

ነቲ ግጭት ንምህዳእ ናብቲ ቦታ ዝተዋፈሩ ፍሉያት ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ፈረንሳ፣ ስደተኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ክጥቐሙ እንከለዉ እቶም ስደተኛታት ዝሓድርሉ ዝነበሩ ሓጹር ናይ ሓደ ፋብሪካ’ውን ከምዝዓጸውዎ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ብዝተኻየደ ተሰማሳሊ ግጭት 51 ሰባት ከምዝቖሰሉ ይዝከር።

ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 1500 ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ተኣኻኺቦም ከምዘለዉ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ’ውን ምስ ፖሊስ ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ ከምዘለው ኣፍሊጠን።

እቲ ግጭት፣ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ምስ ደላሎን ንዋንነት እቲ ናብ ብሪጣንያ ዝሰግራ ናይ ጽዕነት መካይን ዝዕሸጋሉ ቦታን ኣብ ዘሎ ዘይምስምማዕ ዝተላዕለ’ዩ።

ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ እንደገና ከይውላዕ ዝሰግእዎ ግጭት ስደተኛታት ንምክትታል ክሳብ ሎሚ ኣብቲ ቦታ ብጻቕዒ ይንቐሳቐሱ ምህላዎም ተፈሊጡ።

መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ካሌ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ከጋጥም ንዝኽእል ዕግርግር ንምቑጽጻር ዘኽእል እኹል መሳርሒ ንፖሊስ ኣብ ርእሲ ዘይምቕራቡ፣ ተሪር ስጉምቲ ንምውሳድ ኣይፈቐደን ብምብላ ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ክሌ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

ካብ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዝኾነት ከንቲባ እታ ከተማ’ውን መንግስቲ ስጉምቲ እንተዘይወሲዱ ኣብቲ ወደብ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ደው ከተብሎ ምዃና’ያ ተጠንቕቕ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0