ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ብ1.8 ቢልዮን ዶላር ናብ ቻይና ክሰጋገር’ዩ

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ብ1.8 ቢልዮን ዶላር ናብ ቻይና ክሰጋገር’ዩ

Radio Erena: 02 January 2019

Zijing 2

ኣብ ኤርትራ፣ ከባቢ ቢሻ ዕደና ወርቅን ነሓስን ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ብ1.8 ቢልዮን ዶላር ናብ ናይ ቻይና ኩባንያ ዚዢንግ ክሰጋገር ምዃኑ ፋይናንሻል ፖስት ሓቢሩ።

ወነንቲ ብርኪ ናይቲ ኩባንያ፣ ክሳብ 28 ታሕሳስ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ንነፍሲ ወከፍ ዝውንንዎ ብርኪ 6 ዶላር ወሰኽ ክወሃቦም ምዃኑ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ወሰኽ ክሳብ 7 ጥሪ ናይዚ ሓድሽ ዓመት ክቕጽል ምዃኑ ድሒሩ ተገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ፣ ነቲ ኩባንያ ንምዕዳግ እማመ ዘቕረበ ኩባንያ ዕደና ሉንዲን ድሕሪ ምፍሻሉ’ዩ፣ ብመንግስቲ ቻይና ዝውነን ኩባንያ ዚዢንግ ተዓዊቱ ዘሎ።

ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ኤርትራን ሰርብያን ኣብ ዕደና ወርቅን ነሓስን’ዩ ዝነጥፍ።

ኣብ ኤርትራ፣ ከባቢ ቢሻ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና 60 ሚእታዊት ብርኪ ክውንን እንከሎ፣ እቲ 40 ሚእታዊ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝተሓዝአ’ዩ።

እቲ ኩባንያ፣ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና፣ ብህግደፍ ዝውነና ትካላት ህንጻ፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግልት ዝተሓቖፉ ኣባላት፣ ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ብምውፋሩ፣ ኣብ ካናዳ፣ ቤት ፍርዲ ኮሎምብያ ክሲ ተመስሪትሉ ኣብ መስርሕ ይርከብ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0