ኩባንያ ዕደና ሳንሪጅ፣ ፍርያት ፕሮጀክት ዕደና ኣስመራ ኣብ 2015 ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ተስፋ ይገብር

ኩባንያ ዕደና ሱንሪጅ ፍርያት ናይቲ ኣብ ፕሮጀክት ኣስመራ ዘካይዶ ዘሎ ኩዕታን ዳህሳስን ማዕድናት ኣብ 2015 ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ትጽቢት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

 

እቲ ንከባቢታት እምባደርሆ፣ ዓዲ ንፋስ፣ ጉብፖን ድባርዋን፣ ኣብ ዝጠቓለለ ፕሮጀክት ኣስመራ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕድናት ዳህሳስን ኩዕታን ማዕድን ከካይድ ዝጸንሐ ኩባንያ ሳንሪጅ፣ ብኣርባዕተ መስከረም ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ’ዩ ነዚ ዘፍለጠ።

እቲ ኩባንይ ብተወሳኺ ምስቲ ብመንግስቲ ዝውነን ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኣከፋፋልን ዋንነት ብርክን ብዝምልከት’ውን ጸብጻብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ርእስቲ ዘለዎ ብጽሒት ን30 ሚእታዊት ናይቲ ፕሮጀክት ካብ ኩባንያ ዕደና ሳንሪጅ ንምዕዳጉ’ውን ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ እቲ ኩባንታ ገሊጹ።

እዚ ብሱንሪጅ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ፕሮጀክት ኣስመራ ብቀዳማይ ደረጃ ወርቂ ቀጺሉ ድማ ኣብ ነሓስን ዚንጎን ተረኺብዎ ከምዘሎ’ውን እቲ ኩባንያ ኣረጋጊጹ።

ካብ ቻይና፣ ካናዳ፣ ኣውስትራልያ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ዝመጻ 16 ኩባንያታት ዕደና ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዳህሳስን ኩዕታን የካይዳ ምህላወን ይፍለጥ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0