ካናዳ፣ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ዜጋታት 29 ሃገራት ፍሉይስ መስርሕ ቪዛ ኣተኣታትያ

ካናዳ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ዜጋታት ኤርትራ ናይ እትርከበን 29 ሃገራት ፍሉይ መስርሕን ሕግታትን ኣተኣታትያ ከምዘላ ገሊጻ።

 

እቲ ካናዳ ኣተኣታትያቶ ዘላ ሓድሽ መስርሕ፣ ዝኾነ ዜጋ ናይዘን ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ናብታ ሃገር ንምጋሽ ቪዛ ኣብ ዝሕእተሉ እዋን፣ ብፍሉይ ኣሰር ኣጻብዕቲ ወይ ዓሸራ ክወሰደሉ’ዩ።

ካናዳ ነዚ ሓድሽ ሕጊ እተተኣታዉ ዘሎ፣ ድሕነትን ጸጥታን ዜጋታት ንምሕላው ጥራይ ዘይኮነ ብቪዛታትን ፓስፖርትን ዝካየድ ንዘሎ ምትላል ንምግታእ ምዃና’ያ ትገልጽ።

ካብ 14 ዓመት ንታሕቲ ወይ ድማ ካብ 79 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ዜጋታት እዘን ሃገራት ግና ካብዚ ሓድሽ ሕጊ ናጻ’ዮም።

ዲፕሎማሰኛታት’ውን ናብ ካናዳ ንምጋሽ ቪዛ እንተሓቲቶም ኣሰር ኣጻብዒቶም ክምርመር ወይ ዓሸራ ክህቡ ኣይክግደዱን’ዮም።

እዚ መስርሕ እዚ ኣብተን ሸንገን ቪዛ ዝጥቐማ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ኣቐዲሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ’ዩ።
========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0