ኩባንያ ኦርታክ፣ ኣብ ሃይኮታ- ዕደና ነሓስ ዘለዎ ወፍሪ ናብ 25 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ

ኩባንያ ኦርታክ፣ ኣብ ሃይኮታ- ዕደና ነሓስ ዘለዎ ወፍሪ ናብ 25 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ

Radio Erena: April 29, 2014

Ortac

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ‘ኦርታክ’፣ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ወፍሪ ናብ 25.37 ሚእታዊት ክብ ከምዘበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ ኣብ መጀምርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት እዚ፣ ኣብቲ ኣብ ሃይኮታ ‘ኣንድያሞ’ ብዝተባህለ ካልእ ኩብንያ ዝካየድ ዘሎ ዳህሳስን ኩዕታን ነሓስን ውርቕን ብንኡስ መጠን ክውፍር ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሑ ድማ እቲ ወፍሪ ናብ ልዕሊ 25 ሚእታዊት ክብ ከምዘበሎ ገሊጹ።

እዞም ክልተ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያታት፣ ነቲ ካብ ከባቢታት ሃይኮታ ክሳብ ገለ ክፋል ቢሻ ኣብ 252 ትርብዒት ኪሎሜተር ተዘርጊሑ ዝርከብ ዳህሳስን ኩዕታን ወርቕን ነሓስን ብሓባር ኣብ ምክያድ’ዮም ዝርከቡ።

 

እቲ ቦታ ዘተባብዕ ውጽኢት ነሃስ ስለዝተረኽቦ ድማ ኦርታክ፣ ኣብቲ ኩባንያ ዘለዎ ወፍሪ ብልዕሊ 25 ሚታዊት ከምዘዕበዮ ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ትካል ኣረዲኡ።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝዳህሳስን ኩዕታን ዝተፈላለየ ማዕድናት ዝተዋፈራ ካብ ካናዳ፣ ኣውስትራልያ፣ ብሪጣንያ፣ ቻይና፣ ህንዲ፣ ሊብያንን ካልኦት ሃገራትን ዝመጻ ኣስታት 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣለዋ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኤርትራ ኣታ 20 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ነሓስ ናብ ቻይና ከምዝልኣኸት ምንጭታት ዜና ቻይና ኣቃሊዖም።

11 ሽሕን 460 ቶን ነሓስ ዝጸዓነት መርከብ ካብ ኤርትራ ተበጊሳ ናብ ቻይና ከምዘምርሐት ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ዜና፣ እታ መርከብ ብዱባይ ኣቢላ ናብ ወደብ ናንቶን ናይ ዞባ ዥያንግሱ ናይ ቻይና ከምዝተጸግዐት’ውን ሓቢሩ።

እንተኾነ እቲ ካብ ኤርትራ ተላኢኹ ዝተባህለ ነሓስ፣ ኣየነይቲ ኩባንያ ከምዘፍረየቶ ኣይተሓበረን። ከምዝፈረየ ኣይተነጸረን።

ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዋ ኣስታት 18 ኩባንያታት፣ ፍርያት ወርቕን ነሓስን ናብ ወጻኢ ምልኣኽ ዝጀመረ እንኮ ኩባንያ፣ ካናዳ ዝመደበሩ ‘ኔቭሰን’ ምዃኑ’ዩ ዝንግረሉ።
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0