ኩባንያ ሳንሪጅ ኣብ ደባርዋ ናይ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ፍርያት ኣብ መወዳእታ 2016 ናብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርብ’ዩ

ኩባንያ ሳንሪጅ ኣብ ደባርዋ ናይ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ፍርያት ኣብ መወዳእታ 2016 ናብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርብ’ዩ

Radio Erena : 20 October 2015

Sunri

ኩባንያ ሳንሪጅ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ናይ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ፍርያት ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2016 ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ትጽቢት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ካናዳ ኩባንያ፣ 60 ሚእታዊት ናይቲ ንከባቢታት እምባደርሆ፣ ዓዲ ንፋስ፣ ጉፖን ድባርዋን ዘጠቓለለ ብኣስመራ ፕሮጀክት ዝፍለጥ ዕደና ነሓስ፣ ወርቅን ካልእ ማዕድናትን ክውንን እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ 40 ሚእታዊት ድማ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ዝውንኖ።

ሳንሪንጅ፣ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2016 ኣብ ድባርዋ ናይ ዘፍርዮ ዘሎ ብሉጽ ዓይነት ነሃሰ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርብ ትጽቢት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ ወርቂ’ውን ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ተወሳኺ ምጽፋፍ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ይገልጽ።

 

ኣቐዲሙ ብናይ ቻይና ኩባንያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ፕሮጀክት ዛራ፣ ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይ 2016 ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ምዃኑ ምግላጹ’ውን ኣይርሳዕን።

SFECO ዝተባህለ ሃገራዊ ኩባንያ ቻይና ን60 ሚኣታዊት ፕሮጀክት ዕደና ዛራ ካብ ኩባንያ ዕደና ቻላይስ ኣብ 2012 ከምዝዓደጎ ኣይራዕን።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዘቕረበ እንኮ ናይ ዕደና ኩባንያ፣ ኔቭሰን ክኸውን እንከሎ፣ ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት ብውሕዱ 5 ኣህጉራውያን ኩባንያታት ከም ወርቂ፣ ነሓሰ፣ ብሩር፣ ፖስታሽን ዝኣመሰለ ማዕድናት ናብ ዕዳጋ ከቕርባ ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ቻይና፣ ኣውስትራልያ፣ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ሊብያ፣ ህንዲን ካልእ ሃገራትን ዝመጻ ብውሕዱ 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፣ ዳህሳስን ኩዕታን ማዕድናት የካይዳ ኣለዋ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ማዕድናት ዝረኽቦ ኣታዊታት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እዘን ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝተታሕዙ መንእሰያት ኣብ ናይ ህንጻን ካልእን ንጥፈታት የዋፍራ ኣለዋ ዝብል ክሲ ይመጸን ምህላዉ ይፍለጥ።

====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0