ኩባንያታት ቻይና፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ የስፋሕፍሓ

ኩባንያታት ቻይና፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ የስፋሕፍሓ

Radio Erena: 28 April 2016

China

ናይ ዕደናን ህንጻን ኩባንያታት ቻይና ናብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ የስፋሕፍሓ ምህላወን ኣብ ቁጠባ ዘተኩር መጽሔት ቢዝቱደይ የመልክት።

ኩባንያታት ቻይና ኣቐዲመን ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ከሰላስልኦ ዝጸንሐ ኣብ ዕደና፣ ህንጻ ጽርግያታትን መንገዲ ባቡርን እናሰፍሐ ብምምጽኡ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣብ ጅቡትን ኬንያን ኣብ ናይ ወደብ ህንጻ ይዋፈራ ምህላወን እታ መጽሔት ትጠቕስ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ወሃብቲ ኣገልግሎታት ወደብ ዝኾነ ናይ ቻይና ጊንጋድዋ፣ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዝኸተም ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕን፣ ንወደባት ጅቡቲ ንምስፋሕ ምስ መንግስቲ ቻይና ዝተኣትወ ውዕላት ከም ኣብነት ዘቕረበት መጽሔት ቢዝቱደይ፣ ንኢትዮጵያን ወደብ ጅቡትን ንምርኻብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መንገዲ ባቡር ስራሕ’ውን ሓደ ካብ ግዙፍ ወፍርታት ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ሓቢራ።

 

ኩባንያታት ቻይና ኣብ ኤርትራ’ውን ብዘይካ’ዚ ኣብ ገደም ፋብሪካ ሰሜንቶን ካልእ ናይ ህንጻ ወፍርታትን ዘካይድኦ ዘለዋ ዕማማት፣ ንዕደናታት ዛራን ኣስመራን’ውን 60 ሚእታዊት ናይቲ ፕሮጀክት ክውንና ክኢለን ኣለዋ።

===========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0