መንግስቲ ፈረንሳ ንኤርትራውያ ስደተኛታት ዑቕባ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ከምዘለዎ ገሊጹ

መንግስቲ ፈረንሳ ንኤርትራውያ ስደተኛታት ዑቕባ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ከምዘለዎ ገሊጹ

Radio Erena: 28 April 2016

Pascal

መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብግቡእ ስለዝርዳእ፣ ንኤርትራውያ ስደተናታት ዑቕባ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ከምዘለዎ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን እታ ሃገር (OFPRA) ፓስካል ብሪስ ኣረጋጊጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጉዳይ ስደተኛታት፣ ብ26 ሚያዝያ ምስ ጋዜጠኛታት ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘየማትእ ዑቕባ ክህቦም ከምዝወሰነ ብምጥቃስ፣ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምፍላዮም ግና ከቢድ ጸገም ይፈጥር ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ፈረንሳ እዚ ንኤርትራውያን ፈጢራቶ ዘላ ዘየማትእ ዑቕባ ናይ ምሃብ ውሳኔ፣ ኤርትራውያን ከምቲ ዝድለ ክጥቐምሉ ከምዘይርኣየኡ ዝሓበረ እቲ በዓል ስልጣን፣ ኣውራ ምኽንያት ናይዚ ድማ ካብ ፈረንሳ ወጻኢ ዑቕባ ክሓቱለን ዝመርጹ ሃገራት ካልኦት ምዃነን ኣመልኪቱ።

 

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ካሌ ንዝነበሩ 111 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብእኩን ኣብ ሓጺር ግዜ ጉዳዮም ከምዝሳለጥ ዝተገብረሉ ምኽንያት፣ ውሳኔ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ንምንጻር ምኳኑ’ውን ጠቒሱ።

ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ዝኣተዉ ስደተኛታት፣ ብመሰረቲ እቲ ናይ ዳብሊን ስምምዕ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር ክውሰደሎም ስለዝግደዱ፣ ብኢጣልያ፣ ግሪኽን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ኣሰር ኣጻብዖም ከይርከብ፣ ንኣጻብዖም የቓጽሉ ምህላዎም ንጉዳያቶም የደናጕን የሰናኽልን ምህላዉ ፓስካል ብሪስ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

ኣሰር ኣጻብዖም እናቓጸሉ ደጋጊሞም ዑቕባ ዝሓተኡ ንዘለዉ ስደተኛታት ሕጋዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ’ውን ኣጠንቒቑ።

ካልእ ካብቲ ንመስርሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ፈረንሳ ዘደናጕ ዘሎ ጉዳይ ከኣ ሰኣን እኹላት ተርጎምቲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ብፍላይ ካብ ትግርኛ ናብ ፈረንሳ ዝትርጉሙ ሰራሕተኛታት ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ዝሓበረ ፓስካል ብሪስ፣ ተርጎምቲ ምስ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ ከይህልዎም’ውን ዕቱብ ምክትታል ከምዝግበሩ ኣረዲኡ።

ንጉዳይ ስደተኛታት ዝትርጉሙ ውልቀሰባት ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ርክብ እንተለዎም ከቢድ ሕጋዊ ሳዕቤን ስለዘለዎ፣ ኣብ ፈረንሳ ካብ ዘለዉ ተርጎምቲ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ርክብ ከምዘለዎም ብመርትዖ ከረጋግጽ ዝኽእል ኤርትራዊ እንተሎ ነቲ ጉዳይ ናብ ክፍሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ፈረንሳ ከቕርብ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ንህሉው ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ዝምልከት ኣብ ስቱድዮ ሬድዮ ኤረና ዝተኻየደ ዘተ፣ ንኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቀረባ ዝከታተሉ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ጨናፍር’ውን ተረኺቦም ኔሮም።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0