ኩባንያታት ብሪጣንያ፣ ምስቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወፍሪ ውዕላት ምክያደን ይውቀሳ

Radio Erena: 08 May 2017

Min Human

ኩባንያታት ብሪጣንያ፣ ምስቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወፍሪ ውዕላት ምክያደን፣ ዎር ኦን ዎንት ዝተባህለ ተጣባቒ ጥካል ወቒሱ።

እቲ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኩባንያታት ዕደና ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከይገደሰን፣ ኣብ መኽሰብ ዘድሃበ ወፍሪ ጥራይ የተኩራ ምህላወን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ ምስቲ ናይ ኣስመራ ስርዓት ኣብ ምግሃስ መሰል ዜጋታቱ ይተሓባበራ ኣለዋ ክብል’ውን ነቒፉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ኣንድያሞን ኦርታክን ዝኣመሰላ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያታት ኣብ ኤርትራ ዕደናዊ ንጥፈታት የካይዳ ከምዘለዋ ዝሓበረ እቲ ትካል፣ ከም ባርክለይን ሃሊፋክስ ዝኣመሰለ ፊናንስያዊ ናይ ብርኪ ኩባንያታት’ውን ገንዘብን ኣብዘን ናብ ኤርትራ ኣትየን ዘለዋ ናይ ዕደና ኩባንያታት ኣውፊረን ምህላወን ኣረጋጊጹ።

ናይ ዕደና ይኹን ፊናንስውያን ኩባንያት ብሪጣንያን፣ ምስቲ ንገዛእ ዜጋታቱ ዓመታዊ ባጀቱ ዘይሕብርን ካብ ዕደና ይኹን ካልእ ንዝረኽቦ ገንዘብ ብዘይግሉጽነትን ተሓታትነትን ናብ ዝደለዮ ዘዋፍርን መንግስቲ ኤርትራ ክሰርሓ ምውሳነን፣ ከምዘተሓሳሰቦ ዝሓበረ ዎር ኦን ዎንት፣ እቲ መንግስቲ ዝበዝሐ ናይቲ ካብ ዕደና ዝርኽቦ ዘሎ ኣታዊ ኣብ ውትህድርናን ሸመተን ኣጽዋርን የውዕሎ ከይህሉ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ኔፍሰን’ውን ምስቲ ዜጋታቱ ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ብምውፍራን ካልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኽስሰ መንግስቲ ኤርትራን ብስም ናይ ህግደፍ ዝተወከላን ትካላቱን ብምሽራኹ ኣብ ካናዳ ክሲ ተመስሪትሉ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ኣስታት 16 ናይ ወጻኢ ሃገራት ኩባንያታት ዕደና ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ተዋፊረን ኣለዋ።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0