ኩለን ደቂንስትዮ ናብ ታዕሊም ዝወርዳሉ ግዜ ናብ ካልእ ኣዋን ተሰጋጊሩ

ኩለን ደቂንስትዮ ናብ ታዕሊም ዝወርዳሉ ግዜ ናብ ካልእ ኣዋን ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 28 April 2015

23Apr

ን23 ሚያዝያ ናብ ታዕሊም ክወርዳ ዝተነግረን ደቂንስትዮ ብብዝሒ ክርከባ ብዘይምኽኣለን ናብ ካልእ እዋን ተሰጋጊሩ።

ኩለን’ተን ካብ 18 ክሳብ 45 ዓመት ዝዕድሚኤን ታዕሊም ዝግብአን ናብ ታዕሊም ክወርዳ፣ እተን ተዓሊመን ኣብ ሚኒስትርታት ዝርከባ ደቂንስትዮ ከኣ ንተወሳኺ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወርዳ ምዃነን’ዩ ዝንገር ዘሎ።

 

ብዘይካ ደቂንስትዮ’ውን ካብ ወጻኢ ተመሊሶም ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡ ከፈልቲ ክልተ ካብ ሚእቲ’ውን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ተሓቢርዎም ምህላው ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ካልኣይ ዙር ታዕሊም ናይቶም ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ዝጽውዑ ክሳብ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት’ውን ጎኒ ጎኒ’ዚ ክቕጽል ምዃኑ ኣብ ምምሕዳራት ኣስመራ ተለጢፉ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

ሓንቲ ካብተን ኣብ 17 ሚያዝያ ብምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ንኡስ ዞባ ገጀረት ካብ ዝተለጠፈት ምልክታ፣-

“ኩሉኹም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ገጀረት እቶም ኣብ ካልኣይ ዙርያ ናብ ታዕሊም ዘይወረድኩምን ብምሉእክን ደቂንስትዮን ከምኡ’ውን እቶም ክልተ ካብ ሚእቲ ከፊልና ኢልኩም ኣብዚ ትቕመጡ ብምሉእኩም ንዕለት 23/04/2015 ንታዕሊም ምብጋስ ስለዘሎ ኣብ መንሃርያ ሰዓት 7፣00 ንግሆ ክትርከቡ/ባ ኣጥቢቕና ንሕብር። ኣብዚ ዝተባህለ ሰዓትን መዓልትን ቦታን ዘይተረኽበ ኣባል ብሕጊ ተሓታቲ/ት ምዃኑ/ና ኣጥቢቕና ንሕብር።” ዝብል’ዩ።

እንተኾነ ኣብቲ ዝተባህለ ሰዓትን መዓልትን ቦታን ከምዝቲ ዝተባህሎ ብዝሒ ናብ ታዕሊም ዝወርድ ከምዘይተረኽበ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

እቲ ናይ ታዕሊም መደብ ብግፋን ካልእ ኣገባባትን ብግዴታ ክካየድ ምዃኑ ህዝቢ ይዛረበሉ እኳ እንተሎ፣ እቲ ን23 ሚያዝያ ዝተሓስበ ምብጋስ ግና ንኻልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0