ከሰላ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሺር ዝቀንዐ ሰፊሕ ተቓውሞ ተኻይዱ

ከሰላ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሺር ዝቀንዐ ሰፊሕ ተቓውሞ ተኻይዱ

Radio Erena: 18 January 2019

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ከባቢ ከሰላ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት በሺር ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ፖሊስ ሱዳን፣ ነቲ ብ17 ጥሪ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ከምዝተኮሱ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ የረጋግጹ።

ኣንጻር ፕረዚደንት በሺር ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፍታት እታ ሃገር ካብ ዝውላዕ ልዕሊ ሓደ ወርሑ ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ከሰላ ግና ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብታ ከተማ፣ ነቲ ፕረዚደንት ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ይፍለጥ።

ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ዞባ ከሰላ ካብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ’ዩ ዝርከብ።

እቲ ኣዋጅ፣ ክሳብ ሰነ 2019 ክናዋሕ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሓድሽ ዓመት ውሳኔ ምሕላፉ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0