ቀጠር፣ ንሶማል ወትሃደራዊ ሓገዝ ኣበርኪታ

ቀጠር፣ ንሶማል ወትሃደራዊ ሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: 18 January 2019

ንግስነት ቀጠር፣ ንመንግስቲ ሶማል 68 ወትሃድራውያን መካይን ብሓገዝ ከምዝሃበ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ካብ ኣዶሓ ኣፍሊጡ።

እተን ድሩዓት መካይን፣ ኣብ ምሕያል ሰራዊት መንግስቲ ሶማልን ምውሓስ ጸጥታን ኣበርክቶ ክህልወን ምዃኑ እቲ ሚኒስተሪ ብ17 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቀጠር፣ ንመንግስቲ ሶማል ሓገዝ ትህብ ዘላ፣ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብታ ሃገር ዑደት ብምክያድ፣ ብዛዕባ ምትእትታው ቀጠር ኣብ ጉዳያት ሱዳን፣ ሶማልን ሊብያን ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ’ዩ።

ኮሚሽነር ሙሳ ፋኪ መሃመድ ምስ ኣሚር ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ቀጠር ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዝርከቡ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ነናብ ሃገሮም ንምምላሶም ናይ 20 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘበርከተት ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን፣ ኣብ ሓለዋን ምምልላስ ሰራዊትን ዘገልግላ 24 ድሩዓት ወትሃደራውያን መካይን ንመንግስቲ ማሊ ብሓገዝ ምሃባ ይዝከር።

ቀጠር፣ እዚ ንሶማልያን ስደተኛታት ኣፍሪቃ ንምሕጋዝን ዘበርከተቶ ሓገዝ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ካብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምርሓቓ ዘካይድኦ ዘለዋ ጻዕርታት ከምዘይተዓወታ ንምጉላሕ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ የረድኡ።

ብፍላይ መንግስቲ ሶማል ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ክበትኽ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ንዝተገብረሉ ጸቕጢ ከምዝነጸገ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0