ከሰላ፣ ቀቢላዊ ምትፍናን ቤጃን ሃደንዳዋን ከምዘይሃድአ ተሓቢሩ

Radio Erena: 11 December 2019

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ከባቢ ከተማ ከሰላ፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤጃን ሰራዊት መንግስትን ብዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ካብን ናብን እታ ከተማ ዘመላልስ ጎደናታት ንሓደ መዓልቲ ከምዝተዓጽወ ፓሪስ ዝመደበራ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

እታ ሬድዮ ንምንጭታታ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና፣ ሰራዊት መንግቲ ቁጠዐኦም ኣብ ልዕሊ ዘስምዖኡ ዝነበሩ ቀቢላታት ቤጃ፣ ብ7 ታሕሳስ ድሕሪ ዝወሰዶ ተሪር ስጉምቲ’ዩ፣ ብሰኑይ 10 ታሕሳ ከም ግብረ መልሲ ህብዚ ጎደናታት ዓጽዩ ዝወዓለ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ከሰላ፣ ከባቢ ረፊ፣ ኣቡገመል ዝተባህለ ቦታ፣ ኣንጻር’ቲ ቁጠዐኡ ዝገልጽ ዝነበረ ህዝቢ ቤጃ ኣብ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብውሕዱ 15 ሰባት ቆሲሎም።

ነቲ ግጭት ኣብ ምህዳእ፣ ዓበይቲ ዓዲ ቀቢላታት ራሻይዳ ተሳቲፎም።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ከተማ ፖርት ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ሃንደንዳዋን ሓደ ክፋል ቀቢላ ቤጃ ዝኾነ ቢኒ ዓሚርን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 3 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 24 ከኣ ከምዝቖሰሉን ኣይርሳዕን።

ኣብቲ ዞባ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ቀቢላታት እናተጎሃሃረ ክመጽእ ንዝጸንሐ ቀቢላዊ ግጭትታት፣ ከህድኡ ኣይክኣሉን ዝተባህሉ ኣማሓዳሪ ዞባ ጀነራል ቓስም ዓብደል ፈረጅን ሓላፊ ጸጥትኡን ካብ መዝነቶም ተሰጕጎም’ዮም።

እዚ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤጃን ሃደንዳዋን ኣብ ፖርት ሱዳን ዝተኻየደ ስምምዕ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0