ኣልሸባብ፣ ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲ ሶማል መጥቃዕቲ ኣካይዱ

Radio Erena: 12 December 2019

ኣልሸባብ፣ ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲ ሶማል መጥቃዕቲ ምክያዱ ፖሊስ ሞቛድሾ ሓቢሩ።

ልብሲ ፖሊስ ዝተኸድኑ ሓሙሽተ ኣባላት ኣልሸባብ፣ ኣብ ከባቢ እቲ ቤት መንግስቲ ኣብ እትርከብ ሆቴል መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ዝጠቐሰ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ዛክያ ሓሰን፣ ብውሕዱ ክልተ ካብቶም ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

ፖሊስ፣ ኣብቲ ሆተል ካብ ዝነበሩ 82 ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ከግዕዙ እንከሎ፣ ጸጥታ እቲ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸሮ ኣመልኪቱ።

ዕላማ’ቲ ብ11 ታሕሳስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ናብ መን ዘነጻጸረ ምንባሩ እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣብ ጥቓ’ቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤተ መንስግቲ ዝርከብ ሆቴል ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣናትን ዲፕሎማሰኛታትን’ዮም ዝቕመጡ።

ኣልሸባብ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማል ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት እናሓየለ ይመጽእ ከምዘሎ ዘገንዘቡ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር፣ ካብ 2006 ኣትሒዙ ተዋፊሩ ዝርከብ፣ ልዕሊ 15 ሽሕ ዝግመት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣበርክቶኡ እናዛሕተለ ይመጽእ ከምዘሎ ነቐፎም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0