ከሰላ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ወትሃደራት፣ ሓደ ሰበ ቀቲሎም

Radio Erena: 29 January 2020

ወትሃደራት ሱዳን ኣብ ከባቢ ወደ ‘ል ሒሉ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ሓደ ሰበ ከምዝቐተሉ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቶም ወትሃደራት፣ ኣብ ከባቢ ገዳርፍ ኣብ እትከብ ወደ’ል ሒሉ ብመኪና ንዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሰብ ብሰኑይ 27 ጥሪ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ዝቐተልሉ ምኽንያት፣ ብዘይሕጛዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ዝሰገረ ስለዝመሰሎም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ሬድዮ ዳባንጋ ብወገና ብዘቕረበቶ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣዛዚ ናይቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ዝርከብ ክፍለ ሰራዊት 11 ብርጋደር ሳሊም ሓራሽ፣ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ሰራዊት ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ምዃኑ ንስድራቤት መዋቲ ገሊጹሎም።

ቶኽሲ ዝኸፈቱ ኣባላት ሓለዋ ዶብ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ዳባንጋ ነቲ ኣዛዚ ብምጥቃስ ኣመልኪታ።

ይኹን’ምበር እቲ ቅትለት ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብፍላይ ዓድታት ወደ’ል ሒሉን ቓሺም ጊርባን ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ’ዩ።

ኣብቲ ዞባ ምስ ዘሎ ምትፍናን ካብ ቀቢላታት ቤጃ ዝኾኑ፣ ተወላዶ ሃደንደዋን ቤንዓሚርን ናብ ዝበኣሰ ከይዓርግ ዝሰግአ መንግስቲ ተወሰኽቲ ሓይልታት ናብቲ ቦታ ከምዘዋፈረ ተሓቢሩ።

ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዘይጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ዝተዋፈሩ ነበርቲን ተወላዶ ዓድታት እቲ ከባቢን፣ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳንን ኤርትራን ተደጋጋሚ እዋን ከምዝጋጨዩ’ዩ ዝጥቐስ።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ብጽፍርና 4 years ago

    ገዳርፍን ወደል ሐሉን ሲ ከባቢ ዶብ ኤርትራ ደኣ ካብ መዓስ ኮይነን።