ኢትዮጵያ፣ ዘመናዊ ጸረ ነፈርቲ ሚሳይል ካብ ሩስያ ሸሚታ

Radio Erena: 29 January 2020

ኢትዮጵያ፣ ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝውንጨፍ ዘመናዊ ጸረ ነፈርቲ ሚሳይላት ካብ ሩስያ ከምዝሸመተት ማዕከን ዜና እታ ሃገር፣ ስፑትኒክ ሓቢሩ።

እቲ Pantisar S1 ዝተሰምየ ሚሳይላት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናይ 2019 ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

መንግስታት ኢትዮጵያን ሩስያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝገብርዎ ርክብ፣ ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ኣይርሳዕን።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት’ዚ ድማ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ተኽእሎ ከምዘሎ ስፑትኒክ ኣሚቱ።

ናይ ኣስታት 52 ቢልዮን ዶላር ዘቤታውያን ናይ ወጻእን ውህሉል ዕዳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጣዊ ናይ ብሄር ግጭታት ተሸሚማ እናሃለወት፣ ሓይሊ ኣየራ ንምሕያሉን ሓይሊ ባሕሪ ዳግም ንምህናጽን እትጓየየሉ ዘላ ምኽንያት ብሓያሎ ወገናት ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ።

እታ ሃገር ካብ ፈረንሳ’ውን ሓያሎ ነፈርቲ ውግእ ንምሽማት ውጥን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0