‘ከም ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ ሃገራት እገዳ ክግበረለን ኣለዎ’ ባራክ ኦባማ

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፣ ከም ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸመለን ሃገራት እገዳ ክግበረለን ኣተሓሳሲቡ።
ባራክ ኦባማ ንኤርትራን ሰሜን ኮርያን ብምጥቃስ እገዳ ክውሰነለን ዝተማሕጸነ፣ ኣብቲ ዘይሕጋዊ መሸጣ ደቂሰብ ንኸብቕዕ ዝጽውዕ ናይ ክሊንተን ኣህጉራዊ ተበግሶ ኣብ ዘስምዖ ቃል’ዩ።
ከምዝፍለጥ ኣቐዲማ፣ ሂላሪ ክሊንተን ነቶም ኣብ ሲናይ ተጨውዮም ንዝነበሩ ግዳያት እቲ መጭይወይቲ ንዝኾኑን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መዳርግቲ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ እትበርክት ንዘላ ኤርትራዊት ሲስተር ዓዘዘት ኪዳነ፣ ስለቲ ርህራሄን ሰብኣውነትን ዝመልኦ ኣበርክእቶኣ ናይ ክብሪ ሽልማት ከምዝሃበታ ኣይርሳዕን።
ሲኤንኤን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ውን፣ በዚ ዝዓበየ ዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዓለምና ኮይኑ ዘሎ ቆልዑን ነፍሰጾራትን ዘጠቃለለ መሸጣ ደቂ ኣዳም፣ ኤርትራ ብቐዳምነት’ያ ተጠቒሳ።
ማዕከናት ዜና ዓለምን እህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ ድማ ከም ባራክ ኦባማ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሃገራት ዓለም፣ ብዛዕባ’ዚ ንኤርትራውያን ዓቢ ጸገም ኮይንዎም ዘሎ ጉዳይ መሸጣ ደቒ ኣዳም ወግሐ ጸብሐ እንዳተዛረብሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ከም ኣርእስቲ’ውን ኣልዕሊልዎ ኣይፈልጥን።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፣ ሓደ ሓደ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ክሳብ ሲናይ ተዘርጊሑ ዘሎ መሸጣ ደቂ ኣዳም ኢድ ከምዘለዎም ይጥቀስ።
ኣብ እስራኤል ግብጺ ሱዳንን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዝርከቡ ሓያሎ ደላሎን ኣሰጋገርቲ ገንዘብ’ውን ኣብዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ከቢድ ገበን ይሳተፉ ምህላዎም ብመርትዖ ዝተረጋገጸ’ዩ።
ካብ መዓስከራት ሱዳንን ውሽጢ ኤርትራን ዝተጨውዩ ኣማኢት ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ግዳያት ሞት፣ ስንክልናን ጾታዊ ዓመጽን  ይኾኑ ምህላዎም ጸብጻባት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0