ከሚካል ሊሚትድ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘ ሄግ ክሲ ኣቕሪቡ

ከሚካል ሊሚትድ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘ ሄግ ክሲ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 12 September 2017

dalol_ethእስራኤል ከሚካል ሊሚትድ ዝተባህለ ኩባንያ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኔዘርላንድስ ከተማ ዘ ሄግ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከምዝኸሰሶ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት እስራኤል ዝኾነ ትካል መፍረ ከሚካላዊ ቀመማት፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸሰሰሉ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ንዝጀመሮ ወፍሪ ኣቛሪጹ ንኽወጽእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ከምዝገበረሉ ብምምልካት’ዩ።

ኣብ ክልል ዓፋር ናይ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምፍራይ ዱኽዒ ዘተኮረ ወፍሪ ጀሚሩ ምንምባሩ ዝሓበረ እቲ ትካል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበረሉ ዕንቅፋት ግና ኣቛሪጽዎ ክወጽእ ብምግዳዱ ናይ 198 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ከምዝሰዓቦ ይጠቅስ።

ኣብ ክልል ዓፋር፣ ዞባ ዳሉል፣ ዕደና ኩባንያ ፖታሽ ንምክያድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕል ዝኸተመ ናይ ካናዳ ኩባንያ፣ ኣብ 2015 ነቲ ወፍሪ ናብዚ እስራኤላዊ ትካል ብ150 ሚልዮን ዶላር ከምዘሰጋገሮ’ዩ ዝሕብር።

ይኹን’ምበር እቲ ትካል ንጥፈታቱ ከይጀመረ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ውህሉል ዘይተኸፍለ ናይ ግብሪ ዕዳ ስለ ዘቕረበሉ፣ ኣብ 2016 ንጥፈታቱ ኣቛሪጹ ወጺኡ።

እቲ ናይ እስራኤል ትካል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረበሉ ዘይግብኦ ናይ ግብሪ ዕዳ፣ ናይ ወፍሪ መደባቱ ከቋርጽ ስለዝተገደደ፣ ብሰንኩ ዝሰዓበ ናይ 198 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ክከሓስ’ዩ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክሲ ኣቕሪቡ ዘሎ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0