እስራኤል 16ን ልዕሊኡን ንዝዕድሜኦም ስደተኛታት ቪዛ ክትህብ’ያ

እስራኤል 16ን ልዕሊኡን ንዝዕድሜኦም ስደተኛታት ቪዛ ክትህብ’ያ

isrlመንግስቲ እስራኤል 16ን ልዕሊኡን ንዝዕድሜኦም ስደተኛታት ቪዛ ክህብ ምዃኑ ማዕከን ሓበሬታ ሃረዝ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኣርየ ደሪ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዘካየዶ ናይ ፖሊሲ ምቅይያር፣ እቲ ካብ 18 ዓመት ዝጅምር ዝነበረ ናይ ቪዛ ፍቓድ ካብ 16 ዓመት ክቕየር ምዃዩ’ ዩ ኣፍሊጡ።

እዚ ውሳኔ’ዚ፣ ነቲ ጠበቓታት ኮሌጅ ሕግን ንግድን ዘቕረቡዎ ጻውዒት ስዒቡ ዝመጸ እዩ። እንተኾነ ሓደ ካብቶም ጠበቓታት ኦስናት ኮሀን ንማዕከን ዜና ሃረዝ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፣ እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ዝነኣድ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ምትግባሩ ከምቲ ዝሓለፈ ሕግታት፣ ብዓቃባውያን ፖለቲከኛታት ዓቢ ተቓውሞ ክገጥሞ ምዃኑ ይእምት።
ሓያሎ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ፣ ሕጋዊ ወረቐት ስለዘይብሎም፣ ዓቢ ናይ መነባብሮ ዕንቅፋት ፈጢሩሎም ምህላዉ ከይኣክል፣ ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝሕተቱሉ እዋን’ውን ግዳያት ማእሰርቲ ኮይኖም እዮም ጸኒሖም።
ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ስደተኛታት ዝመሃሩሉ ቦታ ክዕጾ ከምዘይደሊን፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዘለዎ ክቕጽል ድሌቱ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፣ ካብ ሓያሎ እስራኤላውያን ተቓውሞታት ይስማዕ ኣሎ።
ነዚ ብዝምልከት እስራኤላውያን ኣብ ለቨንስኪ ፓርክ ኣብ ዘካየዱዎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ‘ከባቢና ምለሱልና’፣ ‘ስደተኛታት ካብ ሃገርና ይውጽኡ’ ዝብሉን ካልእ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዎም ጽልኣት ዝገልጽ ጭርሖታት ኣልዒሎም።
‘ናታንያሁ ዘይጭበጡ ተስፋታት ካብ ምሃብ ሓሊፉ፣ ድሌታትና ንምኽባር ብግብሪ ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን’ ዝበሉ ተቐማጦ ደቡብ ተል ኣቪቭ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብፍላይ ንኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክጥርዞም ኣለዎ ክብሉ ጨሪሖም።isr dem
ኣባል’ቲ ቤት ትምህርቲ ዝኾነት ሮዛና ኣሽከናዚ ብኣንጻሩ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ናታንያሁ እቲ ቤት ትምህርቲ ክቕጽል ምውሳኑ ብሓጎስ ከምእትቕበሎ፣ ን850 ህጻናት ናይ ትምህርቲ ዕድል ምፍጣር ከኣ ዘሐብን ሰናይ ተግባር ምዃኑ ገሊጻ።
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብዝግበረሎም ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፣ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እስራኤል ተደጋጋሚ ነቐፌታ ከውርዱ ጸኒሖም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0