ኣብ ሶማልያ ዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም

somalia attackኣብ ሶማልያ ዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም።
እቲ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ እትርከብ ሆቴል፣ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ብናይ ፈኮስቲ ብረታት ተኹሲ’ውን ዝተሰነየ ምንባሩ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ሚኒስተር ዜና ሶማልያ መሓመድ ኣብዲ ሃዪር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብቲ ሆቴል ኣኼባ የካዪዱሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ። ሓደ ሚኒስተርን ጋዜጠኛታት ሬድዮን በቲ መጥቃዕቲ ቆሲሎም ከምዘለዉ’ውን ሓቢሩ።
ሰብ ሞያ ሕክምና ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 22 ከምዝኾነን፣ ካልኦት 45 ሰባት ከኣ ከምዝቖሰሉን ይገልጹ።
ጉጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ መጥቃዕቲ ዝኹንን መግለጺ ብመንገዲ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ወኪሉ ኣውጺኡ። ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ተመሳሳሊ ሆቴል ንሳልሳይ ግዚኡ መጥቃዕቲ ቦምባ የካይድ’ኳ እንተሎ፣ ምምሕዳርን ሰራሕተኛታትን’ቲ ሆቴል ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዘድሊ ጽገናታት ገይሮም ናብ ስርሖም ክምለሱ ምርኣይ፣ ህዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ዘለዎ ተቓውሞ ዘርኢ’ዩ፣ ክብል መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0