እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣየር ምክልኻል ተቕውም ኣላ ዝተባህለ፣ ግጉይ ሓበሬታ ሙዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 10 July 2019

እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝስራሕ ዘሎ ዝዓበየ ዲጋ፣ ናይ ኣየር ምክልኻል ተቕውም ኣላ ተባሂሉ ንዝወጸ ሓበሬታ፣ መንግስቲ እስራኤል ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል ንወተሃደራውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖኦ ሓበሬታ፣ እታ ሃገር ዝኾነ ናይ ወተሃደራዊ ምክልኻል መደብ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘይብላ ሓቢረን።

ኣብቲ ብሰንበት 7 ሓምለ ዝወጸ ሓበሬታ፣ እስራኤል ንኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ድጋፍ ብምሃብ ምስ ግብጺ ዘለዋ ዝምድና ከተሻሕክሮ ከምዘይትደሊ የመልክት።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ፣ እስራኤል ንናይ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ዲጋ ናይ ኣየር ምክልኻል ካብ ምህናጽ ደው ተብለሉ መንገዲ ንምንዳይ ጽዑቕ ዝርርብ ከካዪድ ከምዝቐነየ ዝገልጽ ዜና ብወገን ግብጺ ክቃላሕ ቀንዩ’ዩ።

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ምስ ግብጺ ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ እያ።

ብካልእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ብመቑነን ክዕደል ዝጸንሐ ኤለክትሪካዊ ጸዓት ደው ከምዝበለ ሚኒስትሪ ሃብቲ ማይን ኤለክትሪክን እታ ሃገር ገሊጹ።

ብሰንኪ ዋሕዲ ዝናብ ዲጋታት ኢትዮጵያ እኹል ማይ ብዘይምዑቋረን ኣጋጢሙ ንዝጸንሐ ቀረብ ጸዓት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ንቡር ስለዝተመልሰ፣ በብእብረ፣ ንዝተወሰነ ሰዓታትን ከባቢታትን ክወሃብ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ ክብል ካብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ማይን ኤለክትሪክን ኢንጅኔር ስለሺ በቀለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ ንትካላትን ዓበይቲ ፋብሪካታትን ዝዕደል ኣገልግሎት ኤለክትሪክ፣ ንዝመጽእ 15 መዓልታት 50 ሚእታዊት ካብ ጠለባቶም፣ ለይቲ ካብ 11 ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 5 ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ክረኽቡ ሙዃኖም ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0