እስራኤል ኣብ ሩዋንዳ ኤምባሲ ክትከፍትን ቀጥታዊ በረራታት ክትጅምርን ምዃና ኣፍሊጣ

እስራኤል ኣብ ሩዋንዳ ኤምባሲ ክትከፍትን ቀጥታዊ በረራታት ክትጅምርን ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 30 November 2017

Israel Rwanda2

ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምስጓግ እትሰርሕ ዘላ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ኤምባሲ ክትከፍት ምዃና ኣፍሊጣ።

እስራኤል፣ ብዘይካ’ዚ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ ኪጋሊ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምጅማር ተዳልያ ከምዘላ ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ብሰሉስ 28 ሕዳር ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ኣብ ወግዓዊ ጽምብል መመረቕታ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ንምስታፍ፣ ናብታ ሃገር ዘምርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ፣ ምስ መራሕቲ ርዋንዳ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ኣብ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ብምትኳር ከምዝተዘራረበ ይሕበር።

እንተኾነ፣ ዕላማ እቲ እስራኤል ኣብ ርዋንዳ እትኸፍቶ ዘላ ኤምባሲን ምጅማር ቀጥታዊ በረራታት ካብን ናብን ቴልኣቪቭን ኪጋልን ምስቲ ኣብዚ ቀረባ ክትግበር ዝሕሰብ ዘሎ ምስጓግ ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ወገናት የረድኡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ሊዊስ ሙሺኪዋቦ፣ ካብ እስራኤል ብድሌቶም ንዝፋነወ ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ስምምዕ ይካየድ ከምዘሎ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን እኳ እንተረጋገጸት፣ ብዛዕባ’ቲ መስርሕ ግና ዝርዝራዊ ሓበሬታ ካብ ምሃብ’ያ ተቖጢባ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0