ጅቡትን ስዑዲ ዓረብን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ይገብራ ምህላወን ተገሊጹ

ጅቡትን ስዑዲ ዓረብን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ይገብራ ምህላወን ተገሊጹ

Radio Erena: 01 December 2017

djibouti saudi

ጅቡትን ስዑዲ ዓረብን ዝኸተምኦ ስምምዕ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ግብሪ ይሰርሕ ከምዘሎ ሚኒስተር ምክልኻል ጅቡቲ ዓሊ ባሕዶን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ጅቡቲ ኣብቲ ምስ ሻርቕ ኣልውሰጥ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ወትሃደራውያን ክኢላታት ስዑዲ ዓረብ ናብ ጅቡቲ ብምምጻእ መጽናዕትን ገምጋምን ከካይዱ እንከለዉ፣ ጅቡታውያን መኮንናት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወትሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

ንሱ ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝተኸተመ ስምምዕ በዚ ከምዘይሕጸር ብምጥቃስ፣ ካልእ መደባት ተሰሪዑ ከምዘሎ’ውን ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ብ26 ሕዳር ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ኣኼባ ሃገራት እስላማዊ ኪዳን ዝተሳተፈ እቲ ሚኒስተር፣ ጅቡቲ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቐረበ ወትሃደራዊ መዓስከር ናይ ምህናጽ መደብ ብሓጎስ ከምእተቐበለቶ ደጊሙ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ጅቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ቻይና፣ ብታንክታት ዝተሰነየ ልምምድ ከካይድ ከምዝቐነየ ወትሃደራውያን ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ቻይና ፣ ኣብ ጅቡቲ ዝሃነጸቶ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት እዚ ድሕሪ ምምራቓ፣ ታንክታትን ድሩዓትን ዝዓጠቐ ኣስታት 500 ወትሃደራት ኣዋፊራትሉ ኣላ።

ብዘይካ’ዚ ቻይና ነቲ መዓስከር ናይ ምስፋሕ መደብ ከምዘለዋ፣ ፕረዚደንት ቻይና ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ምግላጹ ይዝከር።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0