እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጽኑዕ ምክትታል ተካይድ

እስራኤል ምስ ኢራን ብዝተተሓሓዘ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጽኑዕ ምክትታል ተካይድ ምህላዋ ተገሊጹ።
    ዩፒኣይ ዝተባህለ መጽሔት ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ፍሉይ ጸብጻብ፣ እስራኤልን ኢራንን ኣብ ዝተሃላለኻሉ ዘለዋ እዋን፣ ኣብቲ ልዑል ስትራቴጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ  ጽልዋታተን ንምርግጋጽ ይሰርሓ ምህላወን ሓቢሩ።

    
    ምስዚ ብዝተሓሓዝ ድማ፣ እስራኤል ምስተን ምስ ኢራን ናይ ቀረባ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ሱዳንን ጽኑዕ ምክትታል ተካይድ ምህላዋ እቲ ካብ ኣህጉራዊ ምእካብ ሓበሬታ ስትራትፎር ዝተወስደ ጸብጻብ የመልክት።
    
    መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ዘለዎ ቁጠባዊ ብድሆታትን ኣህጉራዊ ተነጽሎን፣ ደገፍ ሓያላን ሃገራት ከምዘድልዮ ዝኣንፈተ እቲ ጸብጻብ፣ ነዚ ንምርግጋጽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢራን ወይ እስራኤል ኣብ ክልተኣዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ምስጢራዊ ስምምዓት ከምዘካይድ የረድእ።
    
    ህልዌ እስራኤልን ኢራንን ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ክጥቐስ እኳ እንተጸንሐ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና እስራኤል ኮነት ኢራን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ህላዌ ከምዘይብለን ነጺግዎ’ዩ።
    
    ይኹን’ምበር፣ ኢራን ነቲ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ መጻረዩ ነዳዲ ዳግም ንምብርባር ብዝብል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2008 ምስጢራዊ ስምምዕ ከምዘካየደት’ውን እዚ  ካብ ሊባኖስ ከተማ ቤሩት ዝተፈነወ ጸብጻብ ይገልጽ።
ኢራን ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ ህላዌኣ ንምርግጋጽ ደጋጊማ መራኽብ ኵናት ክትልእኽ እንከላ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ኣለዋ ዝብሃል ህላዌ ግና ብምስጢር’ዩ ተታሒዙ ዘሎ።
    
    እስራኤል ድማ፣ ናይ ኢራን’ዩ ንዝበለቶ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ዝርከብ ፋብሪካ መፍረ ኣጽዋር ከተዕኑ እንከላ፣ ብዛዕባ ኤርትራ ድማ ደቂቕ ስለያዊ ምክትታል’ያ ተካይድ ዘላ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ’ውን ብዛዕባ’ዚ ንእስራኤል ስግኣት ፈጢሩላ ዘሎ ጉዳይ ህላዌ ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ እስራኤልን ብዝምልከት ንምዝርራብ ናብ እስራኤል ምስጢራዊ ዑደት ምክያዱ ይዝከር።

    ጎኒ ጎኒ’ዚ ድማ፣ ፕረዚደንት ማሕሙድ ኣሕመዲነጃድ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢራን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኢራን ምስ ኤርትራ ገደብ ዘይብሉ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክትገብር ምዃኑ ሓቢሩ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0