ነርወይ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ኤምባሲ ክትዓጹ’ያ

መንግስቲ ነርወይ ኣብ 2013 ሒዝዎ ብዘሎ ዲፕሎማስያዊ መደባት፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤምባሲ ንምኽፋት ክውጥን እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ኤምባሲ ግና ክዕጾ ምውሳኑ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብምጥቓስ ነርወይ ፖስት ኣረጋጊጹ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነርወይ ኤስፐን ባርት ኤይድ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ረብሓታት ነርወይ ንምዕባይ ወጻኢታት ንምንካይን፣ በዚ መንጽር እዚ ኣብተን ብዙሕ ኣገዳስነት ዘየብለን ሃገራት ዝነበረ ኤምባሲታት ተዓጽዩ ኣብተን ብዝያዳ ዘርብሓ ሃገራት ክኽፈት ከምእተወሰነ የረድእ።

    መንግስቲ ነርወይ ኣቐዲሙ ኣብ መጀመርያ 2012’ውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኤምባሲኡ ክዓጽዎ ምዃኑ ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ግና ከይዓጸዎ’ዩ ጸኒሑ።

    ኣብዚ ናይ 2013 ሓድሽ መደብ ድማ ከም እንደገና ኤምባሲ ነርወይ ኣብ ኤርትራ ክዕጾ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

    በንጻር እዚ ድማ፣ ኣብ ኬንያ ዘሎ ኤምባሲ ነርወይ ብዝያዳ ክዓብን ተወሳኺ መደባት ስራሕ ክወሃቦ ምዃኑን መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነርወይ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0