እስራኤል ንስደተኛታት ናብ ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከይተሰጋግሮም UNHCR ጸዊዑ

እስራኤል ንስደተኛታት ናብ ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከይተሰጋግሮም UNHCR ጸዊዑ

Radio Erena: 10 Januray 2018

Holot Israel

እስራኤል ንስደተኛታት ናብ ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከይተሰጋግሮም ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ጸዊዑ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ትማሊ ሰሉስ 9 ጥሪ ካብ ጄኔቫ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እስራኤል ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ንዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይ ምስግጋሮም መደብ ደው ከተብል ተማሕጺኑ።

UNHCR ነዚ ምሕጽንታ ዘቕርብ ዘሎ፣ ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ መስርሕ ካብ እስራኤል ዝወጹ’ሞ ዝበኣሰ ጉዕዞ ስደት፣ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ብምስጋር ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ዝኣተዉ 80 ስደተኛታት ጸብጻብ ብምቕራብ’ዩ።

ንሳቶም ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ካብ እስራኤል 3500 ዶላር ተዋሂቦም ድሕሪ ምውጽኦም፣ ኣብተን ዝኣተውለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጸንሖም ኩነታት ምስቲ ዝተነግሮም ዘይቃዶ ብምዃኑ፣ እንደገና ናብ ኤውሮጳ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ክመርጹ ከምዝተገደዱ ኣፈኛ UNHCR ዊልያም ስፒንድለር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያንን 7 ሽሕ ሱዳናውያንን ከምዘለዉ ዘመልከተ ጸብጻብ UNHCR፣ እታ ሃገር ካብ 2009 ኣትሒዛ ን10 ኤርትራውያንን ሓደ ሱዳናውን ጥራይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሃበት ኣነጺሩ።

ድሒሩ ድማ ን200 ተወላዶ ዳርፉር ናይ ሰብኣውነት ዑቕባ ክትህብ እንከላ ን300 ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ዑቕባ ንምሃብ መደብ ከምዘለዋ እቲ ሓበሬታ ይእንፍት።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ኣብዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወጹ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ ግዜ ክእሰሩ ምዃኖም የጠንቅቕ።

እንተኾነ እተን ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ስደተኛታት ክቕበላ’የን ዝብሃላ ዘለዋ ርዋንዳን ኡጋንዳን፣ ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝበጽሐኦ ውዱእ ስምምዕ ከምዘየለ’የን ዝገልጻ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0