መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ዘትዮም

መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ዘትዮም

Radio Erena: 10 Januray 2018

egyptt

መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ብዝምልክተ ዘትዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሰሉስ 9 ጥሪ ናብ ካይሮ ድሕሪ ምእታው ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብምርኻብ፣ ኣብቲ ንኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይልን ምህናጽ ዲጋን ብዝምልከት ድሕሪ ምምይያጦም፣ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ንምዕጻው ዝወሰደቶ ስጉምቲን ክህሉ ዝኽእል ስግኣታትን ተዘራሪቦም።

ግብጺ ብዘይካ’ቲ ናብ ኤርትራ ሰራዊታ ኣዋፊራ ኣላ ዝብል ሓድሽ ሓበሬታ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ተቓወምቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሎጂስቲካዊ ሓገዝ ትገብር ከምዘላ ክልቲኤን ሃገራት ይወቕሳ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ግብጺ ዝበጽሕ ዘሎ፣ ምስ ግብጺ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘድውባ ከባቢታት ድሕሪ ምዕጻው ሰራዊታ ኣዋፊራ ከምዘላ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት’ውን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳት የካይዳ ከምዘለዋ ይንገር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0