እስራኤል፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ርዋንዳ ንምጥራዝ ኣሕሊፋቶ ንዘላ ውሳኔ ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ርዋንዳ ንምጥራዝ ኣሕሊፋቶ ንዘላ ውሳኔ ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ

 Radio Erena: 07 February 2018

Israel Rwanda

መንግስቲ እስራኤል፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ርዋንዳ ንምጥራዝ ኣሕሊፍዎ ንዘሎ ውሳኔ ንምቅዋም፣ ካብ ሎሚ ሮቡዕ 7 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዓለም ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ’ዩ።

እዚ ብኤርትራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተወዲቡ ኣብ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ እስራኤልን ኣውስትራልያን ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ርዋንዳ ክወጹ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ክእሰሩ ዝብል ውሳኔ ብምኹናን፣ ርዋንዳ ነዞም ስደተኛታት ከይትቕበል ዝጽውዕ’ዩ።

ነዚ ናይ መንግስቲ እስራኤል ውሳኔ ንምቅዋም፣ ኣሽሓት ምሁራት፣ ሓካይም፣ ጠበቓታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣካላት ማሕበረሰብ ሃገረ እስራኤልን ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ከቕርቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እስራኤል፣ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝኮኑ ስደተኛታት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክወጹ፣ እንተዘይኮይኑ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ክእሰሩ’ያ ተፈራርሕ ዘላ።

መብዛሕቶም እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም፣ ናይ ማእሰርቲ ዕጫ ይጽበዮም እኳ እንተሎ፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ግና ንክንድኦም ዝኸውን እሱራት ዝኸውን ቦታ ከምዘየለ ብኣግኡ ክሕብሩ ጸኒሖም።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ይርከቡ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0