እስራኤል፣ ኣብ ከተማ ቤታኽ ቲክቫ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ትገፍፍ

እስራኤል፣ ኣብ ከተማ ቤታኽ ቲክቫ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ትገፍፍ

Radio Erena: 25 November 2015

Is po

እቲ ኣብ ከተማ ቤታኽ ቲክቫ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ ነቶም ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዶም ወይ ቪዝኦም ዘየሐደሱ ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ እኳ እንተኾነ፣ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ መንበሪ ፍቓዶን ንዘሐደሱ ኣሽሓት ኤርትራውያን ከይተረፈ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ግዝያዊ መንበሪ ፍቃዶም ዘየሐደሱን ናብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ እናተባህለ ዝግለጽ ሖሎት ክኣቱ መጸዋዕታ ንዝተዋህቦምን ንምህዳን ነቲ ጽዑቕ ግፋ የካይድ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

 

ይኹን’ምበር ፖሊስ እስራኤል፣ ገዛ ገዛ ናይቲ ስደተኛታት ዝነብርሉ እናኣተዉን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት’ውን መኦኣጾ ብጎነጽ እናሰበሩን ነቲ ግፋ የካይድዎ ከምዘለዉ’ዩ ዝሕብር ወኪል ሬድዮ ኤረና።

ብፍላይ ናብ ሰሉስ 24 ሕዳር ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ፖልሲ እስራኤል ሓያሎ ኣባይቲ መዓጹታቱ ብምስባር ንብዙሃት ኤርትራውያን ቀይዶም ኣለዉ።

እቲ ግፋ፣ ኣብ መብዛሕትኡ’ቲ ኤርትራውያን ዝነብርዎ ከባቢታት እታ ከተማ ብፍላይ ኣብ ባር ኮኾባ፡ ሽታምበር፡ ኻይም’ኦዘር፡ ሃሃገና፡ ፕኒስከርን ሹቕ ፐታኽ ቲክቫን ይካየድ ምህላዉ ከካብ ቦትኡ ናይ ዓይኒ ምከሰኻክር የረጋግጹ።

እቲ ኣብታ ከተማ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝጀመረ ግፋ ኣብዘን ዝሓለፈ ኣርብዕተ መዓልታት እናጸዓቐ ይመጽእ ምህላዉ’ዩ ዘመልክት ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ኣብ ዝልኣኸልና ሓበሬታ።

ኣብታ ከተማ ከምዚ ዓይነት ጽዑቕ ግፋ ስደተኛታት ክካየድ ናይ መጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ካብ ቴልኣቪቭ 10 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ፔታኽ ቲክቫ፡ ድሕሪ ተል ኣቪቭ፡ እየሩሳሌምን ኢላትን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብርዋ ከተማ’ያ።

===================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0