ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ዶባተን ንምምልካት ይዘራረባ

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ዶባተን ንምምልካት ይዘራረባ

Radio Erena: 25 November 2015

Haile Beshir

መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዶባቶም ክካየድ ዝቐነየ ግጭት ይዘራረቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ብምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ሓሳቦ ሞሓመድ ዓብዱልራሕማን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ምምልካትን ምንጻርን እቲ ግጭታት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ዶብ ከምዝተመያየጡ ምንጭታት ዜና የረድኡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ እቲ ኣብ ሕዳር 2014 ዝተኸተመ ስምምዕ ምምልካት ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብዚ ዝመጽእ ወርሒ ክትግብር ምዃኑ ከምዝሓበረ’ውን ሱዳን ትሪቡን ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ።

 

ኣብቲ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት፣ ብፍላይ ኣብ ዞባ ገዳርፍ፣ ምስሕሃብ ክርአ ከምዝጸንሀ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከኣ ዕጡቓት ሚሊሻ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ነበርቲ እቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉን፣ በቲ መጥቃዕቲ 10ታት ሱዳናውያን ከምዝተቐትሉን ብወገን ሱዳን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዶብ ክርአ ዝጸንሐ ግጭታት ብዝምልከት መንግስታት ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጽ ከይሃብሉ’ዮም ጸኒሖም።

ብምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካብ ሰኑይ 23 ሕዳር ዘካየዶ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፣ ብዘይካ ኣብ ጉዳይ ዶባ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ቭብዛዕባ ዘሎ ንግድን ቁጠባ ካልእ ጉዳያትን’ውን ከምዝተዘራረቡ ይግለጽ።

ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ኢትዮጵያ ዜና፣ ኬንያ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ ከባቢታት ተወሳኺ ሰራዊት ምውፋራ፣ ጸጥታ እቲ ከባቢ ንምውሓስ ደኣ’ምበር ምስ ኢትዮጵያ ተጻብኦ ንምፍጣር ከምዘይኮነት ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣረዲኡ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፣ ብውሕዱ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ከምዝተቐትሉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ኬንያ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ሓሙሽተ ነቑጣታት ንግዜኡ ዓጽያቶ ከምዝጸንሐትን፣ ኣብቲ ከባቢ ከኣ ተወሳኺ ሰራዊት ከምዘዋፈረትን ኣፍሊጣ’ያ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0