እስራኤል፣ ንኣርባዕተ ኤርትራውያን ዝሃረመ ሓለቓ ፖሊስ “ገበነኛ” ተባሂሉ

Radio Erena: 18 September 2019

ንኣርባዕተ ኤርትራውያን፣ ዝሃረመ ሓለቓ ፖሊስ እስራኤል፣ ኮማንደር ክሪል ናዛሮቭ፣ ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ከምዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሃረጽ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓለቓ ፖሊስ፣ ኣብ መስከረም 2016፣ ኤርትራውያን ናብ ዝነበርዎ ባር ድሕሪ ምእታው፣ ንኹሎም ብጉስጢን እናሃረሞም፣ ናይ ጸጥታ መቖጻጸሪ ተተካል ካሜራ’ዩ ሰኒድዎ።

እቲ ክሱስ፣ ብ16 መስከረም ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፣ እቲ ዝፈጸሞ ተግባር፣ ካብ ሓደ፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሃገር፣ ስርዓትን ሕግን ከኽብር ዝተመዘዘ ሰብ ዘይትጽበዮ ኣነዋሪ ተግባር ክብል፣ ዳኛ ነቒፍዎ።

እንተኾነ ንሱ፣ “እቶም ኤርትራውያን ክሃርሙኒ ምስ ጀመሩ’የ፣ ግብረ መልሲ ጀሚረ” ኢሉ ክምጉት እኳ እንተፈተነ፣ ዝተቐርጸ ቪድዮ ከምዘርእዮ ግና፣ ናብቲ ባር ኣትዩ ድሕሪ 12 ሰኮንድታት ጥራይ’ዩ ብጉስጢ ክተሃራረም ጀሚሩ።

ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ነቲ ሓለቓ ፖሊስ ገበነኛ ምዃኑ እኳ እንተረጋገጸ፣ እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ከምዝብይነሉ ግና ኣይተፈልጠን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0