ፈረንሳ፣ ንሱዳን 60 ሚልዮን ኤውሮ ብሓገዝ ክትህብ’ያ

Radio Erena: 18 September 2019

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ 60 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ከበርክት ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዝገለጸ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዦን ኢቭ ለ ድርያ ብሰኑይ 16 መስከረም ናብ ካርቱም ድሕሪ ምብጽሑ’ዩ።

ንሱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኣብ ሓዳስ ሱዳን ኢና ዘሎና፣ ነዛ ሓዳስ ሱዳን ዘሎና ደገፍ ድማ ነረጋግጽ ክብል ቃል ኣስሚዑ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶቕ ናብ ፓሪስ ክበጽሕ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሉ፣ ኣቐዲሙ ኤምባሲ ፈረንሳ ካብ ካርቱም ምግላጹ ይዝከር።

ሃገራት ኤውሮጳ፣ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ዘለውን ደገፍ ብምርግጋጽ፣ እታ ሃገር ናብ ጎደና ደሞክራሲ ክትምርሽ ክትሓጋገዛ ምዃነን’የን ይገልጻ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፣ ሄኮ ማስ፣ ብ3 መስከረም ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ዑደት፣ ንሱዳን ናይ 15 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ተመባጺዑ’ዩ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ጀርመንን በብወገነን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣስማ ዓብደላ ኣብ ዝተራኸብሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳታት ክልዓላ ድፍኢት ክገብሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0