እስራኤል፣ ናይ ኣይሁድ መበቆል ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ተግዕዝ

Radio Erena: 19 October 2016

Falasha

መንግስቲ እስራኤል ናይ ኣሁድ መበቆል ዘለዎም ኢትዮጵያውያን፣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ እስራኤል ከምዘግዓዘት ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ብ10 ጥቅምቲ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ 64 ፈላሻ ሙራ ወይ ቤተ እስራኤል፣ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እስራኤል ዝተበጽሐ ናይ ኣይሁድ መበቆል ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ናብ እስራኤል ናይ ምግዓዝ ስምምዕ’ዩ።

ብመሰረት እቲ እቐዲሙ ዝተበጽሀ ስምምዕ፣ እስራኤል ኣስታት 9 ሽሕ ናይ ኣህዱ መበቆል ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ናብ እስራኤል ንምግዓዝ መደብ እኳ እንተነበረ፣ ክሳብ እዚ ዝሓለፈ ሰኑይ ግና ወልሓደ ከየግዓዘት’ያ ጸኒሓ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ 2013 ምግዓዝ ናይ ኣይሁድ መበቆል ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ከምዘብቕዐ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ሕዳር 2015 ተወሰኽቲ ንምግዓዝ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሽ ስምምዕ ከምዝኸተመ ማዕከናት ዜና እስስራኤል ሓቢረን።

ምግዕዝ እዞም ናይ ፈለማ 64 ሰባት፣ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጎሃሃረ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብን ተተግቢሩ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅን ዘተሓሓዝዎ ፖለቲከኛታት እስራኤል፣ እታ ሃገር ነቶም ዝተረፉ’ውን ቀልጢፋ ከተግዕዞም ይሓቱ ኣለዉ።

እስራኤል ኣብ 1984 ከምኡ ድማ ኣብ 1991 ክልተ እዋን ብዘካየደቶ ናይ ምግዓዝ መስርሕ፣ ልዕሊ 80 ሽሕ ናይ ኣይሁድ መበቆል ዘለዎም ኢትይዮጵያውያን ናብ እስራኤል ከምዘግዓዘት ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

ካብ ኢትዮጵያ ናብ እስራኤል ዝገዓዙ ፈላሻ ሙራ ወይ ቤት እስራኤል፣ ግዳያት ዝተፈላለየ ዓሌታዊ ኣድልዮ ከምዝኾኑ ሰነዳት ይሕብር።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0