ወትሃደራት ኢትዮጵያ ዶብ ድሕሪ ምጥሓሶም፣ ኬንያ ሰራዊታ ኣዋፊራ

Radio Erena: 19 October 2016

Ethio Ar

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምህዳን ዶብ ኬንያ ድሕሪ ምጥሓሱ፣ መንግስቲ ኬንያ ሰራዊቱ ናብቲ ከባቢ ከምዘንቀሳቐሰ ማዕከን ዜና ደይሊ ኔሽን ካብ ናይሮቢ ሓቢሩ።

ብሰንበት 16 ጥቅምቲ፣ ኣስታት 100 ዝኾኑ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ሶሎሎ ናብ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ኬንያ ዝርከብ ከባቢ ማርሳቢት ብምእታው ንሓንቲ ቁሸት ኣብ ከበባ ከምዘእተዋ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

እቶም ጎለለ ንዝተባህለ ቁሸት ዝኸበቡ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ንሓደ ባል ፖሊስ ዝቐጠሉ ዕጡቓት ኦነግ ይሃድኑ ምንባሮም’ዮም ዝግለጹ።

ኣብቲ ስርሒት ሓደ ኬንያዊ ጓሳ ከምዝተቀትለ ኬንያ ተመልክት።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘይፍቓድ መንግስቲ ኬንያ ዶብ ምጥሓሱ ዝሓበሩ ሓለፍቲ ከባቢ ሶሎሎ፣ ሰራዊት ኬንያ ብህጹጽ ኣብዚ ቦታ ድሕሪ ምውፋሩ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ከምዘንስሓቡ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኦሮሞ ንምህዳን ክሳብ ዶባት ኬንያ እናጠሓሰትተደጋጋሚ እዋን ወትሃደራዊ ስርሒታት ከምእተካይድ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0