እስራኤል፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምኻድ ዝኣበዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትኣስር ጀሚራ

እስራኤል፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምኻድ ዝኣበዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትኣስር ጀሚራ

Radio Erena: 21 February 2018

Sahironim

መንግስቲ እስራኤል፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምኻድ ዝኣበዩ ስደተኛታት ካስር ከምዝጀመረ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ቴላቪቭ ኣረጋጊጾም።

እቲ መንግስቲ ብዘውጽኦ፣ ናብ ሳልሰይቲ ምኻድ ዝኣበየ ስደተኛ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ሳህሮኒም ክእሰር ዝብል መርርሒ፣ ካብ ሰሉስ 20 ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ጀሚሩ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ዛጊት ሓሙሽተ ኤርትራውያን ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም ኣለዉ።

እዞም ናብ ዝጸንከረ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ተሰጋጊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብቲ ብኹፍ ቤት ማእሰርቲ ኾሎት ዝጸንሑ’ዮም።

ናብ ዘይተጠቕሰት ሳልሰይቲ ሃገር ክኸዱ መጸዋዕታ ዝቐረበሎም እሞ፣ ነቲ መጸዋዕታ ዘይተቐበሉ ስደተኛታት ናይ ምእሳር ስጉምቲ ብሰፊሕ ክቕጽል ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ መንግስቲ ስም ናይታ ሳልሰይቲ ሃገር እኳ እንተዘይጠቐሰ፣ ርዋንዳ ምዃና ብሰፊሑ ይዝረብ።

ኣብ ኾሎት ተኣስሮም ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን፣ ነዚ ናብ ሳህሮኒም ናይ ምስግጋር መስርሕ ብምቋም መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ የካይዱ ኣለዉ።

ሳህሮኒም፣ ኣብ በረኻ ነገቭ ዝተደኮነ፣ ጎኒ ኾሎት ዝርከብ፣ ከቢድ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ብፍላይ ድማ ኣዕራብ ዝእሰርሉ ጽንኩር ቦታ’ዩ።

እስራኤል፣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክወጹ ፍቓደኛታት ንዘይኮኑ ኣስታት 20 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ንዘይተወሰነ እዋን ክትቕይዶም ምዃና’ያ ትገልጽ።

እንተኾነ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንኽንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ክሕዝ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ኣመሓደርቱ ከመልክቱ ጸኒሖም’ዮም።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0