ሱዳን፣ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ከምዘላ ገሊጻ

ሱዳን፣ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ከምዘላ ገሊጻ

Radio Erena: 21 February 2018

Sudan Bashir

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ተቓውሞ ህዝቢ፣ ቅልውላው ኣጋጥምዎ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ከምዘ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣምባሳደር ጋረቤላ ዓሊ ኺዲር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መሪሕነት ኢትዮጵያ ሰለማዊ ምስግጋር ከምዝገብር ብምእማን፣ እታ ሃገር ኣብዚ በዳሂ እዋን ሓድነታ ንዕቃብን ሰላምን ጸጥትኣን ንምሓውስን ኣብ እትገብሮ ቃልሲ፣ ሱዳን ኣብ ጎና ምህላዋ ኣረጋጊጹ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታትን እታ ሃገር፣ ንረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝሰርሑ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሱዳን ተኣሲሮም ዝርከቡ 57 ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ንምፍናው፣ ክልትኦም መንግስታት ይሰርሕሉ ከምዘለዉ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቶም ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ፣ ዘይሕጋዊ ሓዋላን ሸርፍን ካልእ ገበናትን ካብ 10 ክሳብ 20 ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዱ ኢትዮጵያን ናብ ዓዶም ንምምላሶም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኣቶ ሙሉጌታ ዘውደ ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ሓሚድ ማናን ተዘራሪቡ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0