እስራኤል፣ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክትጥርዝ ዘኽእላ ንድፊ ሕጊ ናብ ባይቶ ቀሪቡ

እስራኤል፣ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክትጥርዝ ዘኽእላ ንድፊ ሕጊ ናብ ባይቶ ቀሪቡ

Radio Erena: 25 November 2018

 eri in israeእስራኤል ኣብ ሃገራ ዘለዉ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክትጥርዝ ዘኽእላ ንድፊ ሕጊ ናብ ፓርላማ’ታ ሃገር ቀሪቡ።

እቲ ብረቡዕ 21 ሕዳር ብሰልፊ ሊኲድ ዝቐረበ ንድፊ፣ ብፍላይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ‘ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኲናት’ ተባሂሉ ክምኽነ ዝጸንሐ፣ ድሕሪ ሕጂ ቅቡል ኣይኮነን፣ ክብሉ ነቲ ንድፊ ዘቕረቡ ኣባላት’ቲ ፓርላማ ገሊጾም።

ንሳቶም ኣብ መግለጺኦም፣ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተግባራዊ ካብ ዝኾነሉ ዕለት ጀሚሩ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ሃገራት ዝነበረ ናይ ኲናት ሃዋሁ ስለዝተቐንጠጠ፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮኑ፣ ካብ ውትህድርና ዘምለጡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ዝብል እማመ’ዮም ኣቕሪቦም።

እቲ ንድፊ እማመ ክዝተየሉ እኳ እንተኾነ፣ ብዘይተቓውሞ እንተጸዲቑ ግና፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይቅድመ ኩነት ናብ ሃገሮም ክጥርዞም ዘኽእሎ ሓላፍነት ክውንን እዩ።

መንግስቲ እስራኤል ኣቐድም ኣቢሉ ብተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ሕግታት ከውጽእ’ኳ እንተጸነሐ፣ ኣብ ምትግባሩ ግና ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ’ዩ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0