እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ንዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምጥራዝ መደብ ሰሪዛቶ

እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ንዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምጥራዝ መደብ ሰሪዛቶ

Radio Erena: 02 April 2018

Natanyahu

መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምጥራዝ መደብ ደው ከምዘበለቶ ሎሚ ሰኑይ 2 ሚያዝያ ኣፍሊጣ።

እስራኤል፣ ነቲ ኣቐዲማ ክትሰርሓሉ መዲባ ዝጸንሐት ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምጥራ መደብ ደው ከምዘበለቶ ትገልጽ ዘላ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምጥቃሱ ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት እቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኣስታት 16 ሽሕ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ካናዳ፣ ጀርመንን ኢጣልያን ክጣየሱ እቶም ዝተረፉ ኣስታት 16 ሽሕ ድማ ኣብ እስራኤል መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም’ዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኣርየ ደሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ እስራኤል ምስ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየደቶ ስምምዕ ንሓደ ስደተኛ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦ ሓደ ድማ ናይ ግድን ናብ ሃገራት ምዕራብ ክጣየስ ከምዘለዎ ዝብል ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ’ዚ ስምምዕ እመልኪቱ ዛጊት መግለጺ ኣይሃበን።

እቲ ስምምዕ ካብ መዓስ ኣትሒዙ ግብራዊ ከምዝኸውንን፣ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኸ ክወስድ ምዃኑን’ውን ኣይተሓበረን።

እስራኤል ክትክተሎ ዝጸንሐት ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥራዝ መስርሕ፣ ንዝእበዩ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ናብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ምድጓን ዝብል ፖሊስ፣ ጸለውቲ እስራኤላውያን ዝተሳተፍዎ ብደረጃ ዓለም ሰፊሕ ተቓውሞታት ከምዝገጠሞ ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0