ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ሓለፍቲ ጸጥታን ሱዳንን ግብጽን ኣብ ካርቱም ክዝትዩ’ዮም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ሓለፍቲ ጸጥታን ሱዳንን ግብጽን ኣብ ካርቱም ክዝትዩ’ዮም

Radio Erena: 03 April 2018

egypt sudan

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ሓለፍቲ ጸጥታን ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ካርቱም ክዝትዩ ምዃኖም ንኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ሱዳን ብምጥቃስ ጋዜጣ ኣል ማስሪ ኣል ዮም ሓቢራ።

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ወርሒ ለካቲት’ውን ተመሳሳሊ ርክባት ከምዘካየዳ ይዝከር።

ርክብ እዞም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት በብእዋኑ ዝርአ ምስሕሓብ ብጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ሸነኻት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን መፍትሕን ብምትኳር ንምዝታይ ዝዓለመ’ዩ።

ካብ መውዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2017 ኣትሒዙ ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ዓሪጉ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ግብጽን ሱዳንን፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ዝሒሉ ይርከብ።

እንተኾነ፣ እቲ ዘሰሓሓበ ጉዳያት ኣጠቓቕማ ናይልን ዋንነት ዞባ ሓላይብን ገና መፍትሒ ኣይተረኽቦን።

ሱዳንን ግብጽን ብዘይካ’ቲ ናይ ኣጠቓቕማ ናይልን ዶባዊ ምስሕሓብን፣ ኣብ ጉዳይ ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ድማ ምስ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ዘለወን ዝምድናታት ብዝምልከት’ውን ኣብ መንጎአን ዘይምቅዳው ከምዘሎ ይግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0