እስራኤላዊ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ንደቡብ ሱዳን ብዝሸጦ ኣጽዋር ተኸሲሱ

እስራኤላዊ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ንደቡብ ሱዳን ብዝሸጦ ኣጽዋር ተኸሲሱ

Radio Erena: 05 March 2019

እስራኤላዊ ናይ ሰራዊት መጀር ጀነራል ዝነበረ ንደቡብ ሱዳን ብዝሸጦ ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ኣጽዋር ክሲ ተመስሪቱሉ።

ጆርሳሌም ፖስት ኣብ ብ4 መጋቢት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ መጀር ጀነራል እስራኤል ዚቭ ብስም’ቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ናይ ሕርሻ ትካሉ፣ 150 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ከምዝሸጠ’ዩ እቲ ክሲ ቀሪቡሉ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ነቲ ጀነራልን ካልኦት ክልተ ትካላትን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝርከብ ናይ ሓሶት ትካላቶም ኣቢሎም ኣብታ ሃገር ንዝተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ኣጽዋር ብምብርካቶም ማዕቀብ በዪኑሎም’ዩ።

ብፍላይ’ቲ ኣብ 2013 ኣብ ተወላዶ ኑወር ዝወረደ መቕዘፍቲ፣ ስርሓት እስራኤል ዝኾነ ኣጽዋር በዘን ትካላት’ዚኤን መጀመርያ ናብ ዩጋንዳ ተሸይጡ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝሰገረ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

መጀር ጀነራል ዚቭ፣ ነዚ ብሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ ናይ ኣሉታ መልሲ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ናይ ሕርሻን ንህጻን ትካሉ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ኣብ ልምዓት ዝተዋፈረ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0