ኣል ሑቲ ናይ የመን ብዝወንጨፎ ከቢድ ብረት፣ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም

ኣል ሑቲ ናይ የመን ብዝወንጨፎ ከቢድ ብረት፣ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 05 March 2019

ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ብዘካየዶ ናይ ከቢድ ብረት መጥቃዕቲ፣ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ዝኾኑ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ፣ ሺን ሁዋ ሓቢሩ።

ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ብጻዕቂ ዝርከበሉ ክፋል እታ ከተማ ዝተኻየደ ናይ ከቢድ ብረት መጥቃዕቲ፣ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት እውን ብከቢድ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ስምምዕ ስቶክሆልም፣ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ካብ ክልቲኦም ወገናት ናጻ ኮይና ንረዲኤት ዝልገስ መግብን መድሃኒትን መቐበሊት ክትከውን እዩ ተመዲቡ። እንተኾነ እቲ ስምምዕ ከይፈርስ ከቢድ ስግኣት ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ብሰምበት 3 መጋቢት ኣብ የመን ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ስምምዕ ስቶክሆልም ክፈርስ ሒደት ሳምንታት ጥራይ ተሪፉዎ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ንክልቲኦም ወገናት ጸቕጢ ብምግባር ክዕቅቦ እንተዘይክኢሉ፣ ሰላማዊ ህዝቢ ክጉዳእ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መንጎ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመንን ኣልሑቲን ውግእ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፣ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ፣ ነታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ረኹሚሹዋ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0