እስራኤላዊት ከተማ ናታንያ፣ ኤርትራውያን ህጻናት ምስ እስራኤላውያን ኣብ ሓደ መውዓል ህጻናት ከይውዕሉ ትኽልክል

እስራኤላዊት ከተማ ናታንያ፣ ኤርትራውያን ህጻናት ምስ እስራኤላውያን ኣብ ሓደ መውዓል ህጻናት ከይውዕሉ ትኽልክል

Radio Erena: 02 November 2018

Israel preschool

ምምሕዳር ናይ ሓንቲ ኣብ እስራኤል ኣብ እትርከብ ከተማ ናታንያ፣ ኤርትራውያን ህጻናት ምስ እስራኤላውያን ኣብ ሓደ መዓል ህጻናት ከይውዕሉ ከምዝኸልከለ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

እቲ ምምሕዳር፣ ካብዚ ዓመት እዚ’ዚ ጀሚሩ ኣስታት 70 ዝኾኑ ኤርትራውያን ህጻናት፣ ካብቲ ኣቐዲሞም ዝውዕልሉ ዝነበሩ መውዓሊ ህጻናት ተፈልዮም ናብ ካልእ ክግዕዙ ጌሩ ከምዘሎ’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

ሓተቲ ዑቕባ ዝኾኑ ኤርትራውያን ወለዲ፣ ነቲ ምምሕዳር ናታንይያ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝወሰኖ ዘሎ ዓሌታዊ ስጉምቲ ብምቕዋም፣ ኣብ ጎደና’ቲ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝተኸፍተ ሓድሽ መውዓሊ ህጻናት ምስ ደቆም ይውዕሉ ኣለዉ።

እቲ ንኤርትራውያን ህጻናት ተባሂሉ ተፈልዩ ዘሎ ቤት ትምህርቲ፣ ንህጻናት ዘይበቅዕን ንድሕነቶም’ውን ሓደገኛን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ከይኣክል፣ ኣብ ልዕሊ ህጻናት’ውን ከምዚ ዓይነት ጽልእን ዓለኢታዊ ምፍልላይ ምርኣዩ ከምዘሕዘኖም ንማዕከን ዜና ሃረጽ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኤርትራውያን ወለዲ ይገልጹ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ብርትዓዊ ዋጋ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ትህብ ዝነበረት ክሊኒክ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝስልዓላ ዝነበረ ባጀት ስለዘቋረጸላ፣ ክትዕጾ ምዃና ተሓቢሩ’ዩ።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 30 ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣለዉ።

=============================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0